ዳግማይ - ምዕጣቕን 'ኑክልየሳዊ ጽላልን' - ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንፋስ ኲናት፣ ዓቢ ወፍሪ ዘጠቓለለ ዳግመ - ምዕጣቕ፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዳግማይ ንምንቕቓሕ ዝቐርብ እማመታት . . . ኣብ ኤውሮጳን ኣብ መላእ ዓለምን፣ ቅድድም ኣጽዋር ዳርጋ ከም ዘይጠፍእ፣ ኣድላዪ ተርእዮ፡ ከምኡ’ውን ከም እንኮ መንገዲ ከመይ ይቐርብ ከምዘሎ ብሓቂ ዘገርም እዩ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ዘተ ዓቕሚ ዘይምህላውን፡ እቲ እንኮ ተግባራዊ ዝኾነ መንገዲ ዳግማይ - ዕጥቂ ጥራይ ከም ዝኾነ እዩ ዘምስል።
ከም በዓል ኣልቺደ ደ ጋስፐሪ ዝኣመሰሉ መስረትቲ ኣቦታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንሓባራዊ ሰራዊት ኤውሮጳ ንምፍጣር ዝድግፉ ዝነበሩ፣ ኣዝዩ ካብቲ ዝሓለንዎ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ንምምኽናይ ይውከስዎም፡ እዚ ድማ ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮነስ ንውልቃውያን ሃገራት ዘሳትፍ እዩ። ሕጂ’ውን ብዛዕባ እቲ ነቲ ዝኸፍአ ተርእዮታት ዝሑል ኲናት ዳግማይ ዘበራብር፣ ግን ከኣ ምስቲ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ክነጻጸር እንከሎ ዝዓበየ ዘይምርግጋእን ዘይርጉጽነትን ዘለዎ ሃዋህው ዓዘቕቲ ሳልሳይ ኲናት ዓለም፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐረበ፣ “ኒዩክልየሳዊ ጽላል ምዕጋትን” ኣብ ዝብል ጉዳይ ንዛረብ ኣሎና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሓደጋ ይቐርብ ከም ዘሎ ኣቀዲሞም ተተንቢዮም እዮም። ቃላቶም ነቲ እንሓልፎ ዘለና ህሞት ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝነቐለ እዩ። ቅዱስነቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ተዓቚቦም ኣብ ዝርከብሉ እዋን እውን ኣብ ዓለም ሰላም ንኽህሉ መከራኦምን ጸሎቶምን የቕርቡ ከም ዘለዎን ኣንሕና ድማ ድምጾም ነጉልሕ።
"ብሓቂ" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር እቲ ውድድር ኣጽዋር ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ጥራይ ዘይኮነስም ስርዓታት ኣጽዋር እውን ዘመናዊ ንምግባርን ንምምዕባልን ዝወጽእ ወጻኢታት ናይ ሃገራት ርኡይ ወጻኢታት ይውክል። ከም ውጽኢቱ ድማ ንሰብኣዊ ስድራቤት ዘጋጥም ዘሎ ሓቀይና ቀዳምነታት፣ ከም ምጥፋእ ድኽነት፣ ምድንፋዕ ሰላም፣ ምምዕባል ውጥናት ትምህርትን፣ ስነ - ህይወትን ጥዕናን፣ ህንጸት ሰብኣዊ መሰላት ወዘተ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም.፡ ካብታ ብኣቶሚክ ቦምቢ ዝተደብደበት ከተማ ጳጳስ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ "ሓደ ካብቲ ዝዓሞቐ ልቢ ሰብ ሃረር ዝብሎ ክብሪ ድሕነት፣ ሰላምን ምርግጋእን ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ምውናን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ካልእ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ደኣ እምበር፣ ነቲ ዓሚቝ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ሃረር ዝብሎ ድሌት መልሲ ኣይኮነን፤ ብሓቂ ድማ ኩሉ ግዜ ኣንጻር እቲ ክብርታት እዩ። ዓለምና ብፍርሕን ዘይምትእምማንን ዝተዋሕጠት፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንዝህሉ ዝምድናታት ዝመርዝን ንዝኾነ ዓይነት ዘተ ዝዕንቅፍን፣ ብናይ ሓሶት ስምዒት ድሕነት ንምዕቃብን ንምርግጋጽን ዝፍትን ዝተዛብዐ ክልተኣዊ ምትእስሳር ዝኽወና ኮይና ኣላ . . . ሰላምን ኣህጉራዊ ምርግጋእን ምስቲ ኣብ ልዕሊ ፍርሒ ሓድሕዳዊ ዕንወት ወይ ስግኣት ፍጹም ምጽናት ንምህላው ምስ ዝግበር ፈተነታት ዘይቃዶ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ሓድሕዳዊ ጽግዕተይናነትን/ተማራዃስነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣብ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ሎምን ጽባሕን ዝተቐረጸ ዓለማዊ ስነ - ምግባር ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀውጽ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ኣብ ዝካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ከተማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፣ ቃል ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ተወኪሶም "ብሓቂ፡ ብሓቂ ዝያዳ ፍትሓውን ውሑስን ሕብረተሰብ ክንሃንጽ እንተድኣ ንደሊ ኮይንና፡ እቲ ኣጽዋር ካብ ኢድና ክራገፍ ክንፈቅድ ኣሎና። "ማንም ሰብ ኣብ ኢዱ ኣጽዋር ሒዙ ከፍቅር ኣይክእልን እዩ" (ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ4 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም.) ቢሎም፣ ሓቀይና ሰላም ብዘይ ዕጥቂ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል የዘኻኽሩ።
ኣስዒቦም ኣብቲ ኣብ ሂሮሺማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ነቲ ስነ - ሞጎት ኣጽዋር ምስ እንሕሉን ዘተ ካብ ምፍጻም ምስ እንርሕቕን ግዳያትን ዑናታትን ቅድሚ ምምጻእና እውን ከይተረፈ - ራዕዲ ክፈጥር ከም ዝኽእል ንርስዕ ኢና፣ "ብዙሕ ወጻኢታት የሓትት፣ ናይ ሓድነትን ጠቓሚ ዕዮን ውጥናት ይዀልፉ ንኣረኣእያ ሃገራት የዛብዕዎ፣ . . . ኑክልየሳዊ ውግእ ንውግእ ከም ሕጋዊ ፍታሕ ጌርና ብቐጻሊ ንውከሶ እንተደኣ ዄንና ከመይ ጌርና ኢና ሰላም ከነቕርብ እንኽእል? . . . ናይ ሓቂ ዕጥቒ ሰላም ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ" ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።
ኣስዒቦም እውን፣ “ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም፡ ነቲ ኣብ ግዜና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ነቲ ንሓባራዊ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘይቅቡል ዘይምዕሩይነትን ዘይፍትሓውነትን፣ ንሓባራዊ ቤትና ምክንኻንን ዘይምኽኣል ብስክፍታ ዝምስክርን ዝጭነቕን፣ ግቡእ መልሲ ኣክንዲ ምሃብ፣ ኣብ መጻኢ ሰላም ከረጋግጹ ዝኽእሉ ተመሲሎም ዝቐርቡ ዕጥቃዊ ግጭታት ክምዕብሉ ንርእይ ኣሎና።”
ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፈደራላዊ ማሕበር ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት፣ ዶማኒ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ፣ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፈረንሳ 290ን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ 225 ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዘሎን፣ ካብ ጠቕላላ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እቲ 88% ሚእታዊ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሩስያን ዝሽፈን ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ልዕሊ 5000 ኑክልየሳው ኣጽዋር ከም ዘለወንን ትሽዓተ ሃገራት ቻይና፣ ህንዲ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ፓኪስታንን እስራኤልን ሓዊሱ ኑክልየሳዊ ቦምብታት ኣለወን። ሎሚ፡ ካብቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማን ኸሳኪን እተፈነወ ኣቶሚክ ቦምብታት ንላዕሊ ብሽሕ ዕጽፊ ናይ ምዕናው ሓይሊ ከምዘለዎ የብርህ። ሓደ ሰብ፣ ብሓቂ ተወሳኺ ኣጽዋር የድልየና ድዩ፣ ብሓቂ እዚ ጥራይ ድዩ እንክላኸለሉ መገዲ? እንክብል ብምግራም ክሓትት ቅኑዕን ፍትሓውን እዩ።
ኣብ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣህዛብን ሰላም ንምስፋን ዘይሃስስ ተወፋይነት ኣለዋ። እዚ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለምና ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ትሕዝቲ ኮይኑ ክስምዓ ዝገብር ግዴታ እዩ . . . ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ከም ዝከኣልን ኣድላዪን ምዃኑ ከምቲ ኣነ ዝኣምነሉ፣ እዚ ኣጽዋር እዚ ካብ ህሉው ስግኣት ሃገራውን ኣህጉራውን ጸጥታ ክከላኸለልና ከምዘይክእል ንፖለቲካውያን መራሕቲ ወትሩ ከይዝንግዕዎ እሓትት" ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
(Andrea Tornielli)