MAP

ቫቲካን፥ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ኣምልኾ መርሓ ግብሪ ቫቲካን፥ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ኣምልኾ መርሓ ግብሪ  (AFP or licensors)

ቫቲካን፥ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ኣምልኾ መርሓ ግብሪ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ኣቦና ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ክመርሕዎ ተስፋ ብምግባር፣ ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ኣምልኾ መርሓ ግብሪ ዕለት 28 መጋቢት ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ን38 መዓልታት ኣብ ቤት ሕክምና ተዓቚቦም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ መዕረፍ ኣጋይሽ ተመሊሶም ብሓኻይሞም ዝተኣዘዘሎም ናይ ክልተ ወርሒ ምሉእ ዕረፍት ይገብሩ ክም ዘለዉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፣ “ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ምምሕያሽ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከመይ ይቕጽል ምህላዉን ብሓኻይሞም ድሕሪ ዝግበር ገምጋም ስርዓተ ኣምልኾ ሰሙነ ሕማማት ብኣካል ተረኺቦም ክሳተፉ ወይ ከይሳተፉ ክውሰን ምዃኑ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ኣምልኾ መርሓ ግብሪ፣ ኣብዘን ክልተ ሰሙናት ዓቢ ትኩረት ዝወሃቦ፣ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረትን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 27 ሚያዝያ ዝበዓል ኢዮቤል መንእሰያትን ኢጣልያዊ ብጹእ ካርሎ ኣኩቲስ ንኣዋጅ ቅድስትና ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ሰንበት በዓለ ሆሳእና ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10፡00 ንግሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ከም ዝኾነን፣ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ከምቲ ልሙድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ምሸት ካብ ሰዓት 09፡15 ጸሎት ፍኖተ መስቀል ክካየድ እዩ፣ ቀዳም ዕለት 19 መጋቢት ሰዓት 19፡30 መስዋዕተ ቅድሴ ክብረ በዓል ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍጽም እዩ።

ሰንበት ዘሆሳዕና ሕማማትን

ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10፡00 ብምኽንያ በዓለ ሆሳዕና መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ እዩ።

ጸሎተ ሓሙስ

ዕመት 17 ሚያዝያ፡ ቡራኬ ቅብኣ ቅዱስ ዘይቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 09፡30 ክፍጸም እዩ።

ዓርቢ ስቕለት

ዕለት 18 ሚያዝያ ስርዓተ ስግደትን ጸሎትን ዓርቢ ስቕለት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 17፡00 ክፍጸም እዩ። ስዒቡ እውን ምሸት ከምቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዓርቢ ስቕለት ዝግበር ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ምሸት ሰዓት 21፡30 ክካየድ እዩ።

ቀዳም ስዑር

ዕለት 19 ሚያዝያ ጸሎት ዋዜማ ክብረ በዓል ፋሲካ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 19፡30

ክፍጸም እዩ።
ሰንበት ፋሲካ - ትንሳኤ ዘእግዚእነ

ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10፡30 ብምኽንያት በዓል ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግን ስነ ስርዓት ፍልዩ ቡራኬ ጳጳስ ሮማ "Urbi et Orbi -  ንኸተማ ሮማን ዓለም ክፍጸም እዩ።

ካልኣይ ሰንበት ዘፋሲካ ወይ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት

ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘፋሲካ - ሰንበት መሎኮታዊ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ንብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ሰዓት 10፡30 ቅድስና ክትእውጀሉን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መዓልቲ ኢዮቤል መንእሰያት ክበዓል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

28 Mar 2025, 15:16