MAP

2025.03.08 Pellegrinaggio Giubilare dei Volontari 2025.03.08 Pellegrinaggio Giubilare dei Volontari  (Vatican Media)

ኢዮቤል ሚስዮናውያን ምሕረት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ 500 ካህናት ይሳተፍዎ ኣለዉ

ካብ ዕለተ 28 ክሳዕ ዕለት 30 መጋቢት እቲ ሻድሻይን ዓቢይን መደብ ዓመተ ኢዮቤል 2025፣ ምስ ስድራቤቶምን ተሓባበርቶምን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሚስዮናውያን ምሕረት ብዘካይድዎ ንግደት ክፍጸም ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ገለ ኻብቶም 500 ዝዀኑ ሚስዮናውያን ምሕረት ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ዘካይዱ ነጋድያን ካብ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኢጣልያ፡ ፖላንድ፡ ስጳኛ፡ ሜክሲኮ፡ ጀርመን፡ ስሎቫክያ፡ ፊሊፒንስ፡ ባንግላደሽ፡ ዩክረይን፡ ኮሎምብያን ህንዲን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ክኾኑ ኢዮም።

ካብ ዓርቢ ዕለት 28 መጋቢት ክሳዕ ሰንበት መደባቶም ብምቕጻል ነቲ ሻድሸይን ዝዓበየ መደብ ኻብቲ ንዓመተ ተስፋ እተወፈየት መደባት ቅድስቲ ዓመት ከካይዱ ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ መንበሪ ገዝኦም ቅድስቲ ማርታ ተመሊሶም ኣለዉ እንተኾነ ግና ኣብቲ ዝካየድ መደባት ክሳተፉ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ይኹን እምበር ብጽሑፍ መልእኽቶም ከመሓላልፉ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ።

ቍጽሪ ናይቶም ብ2015 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ድሕሪ ምእዋጆም ንኣገልግሎት ፍሉይ ሥሬት ሓጢኣት ዝተመስረቱ ሚስዮናውያን ምሕረት ብቐጻሊ እና ወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1,258 ካህናት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ተመዚዞም ኣለዉ ።

እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም "ቤተ-ክርስትያን ንህዝቢ ኣምላኽ ከም እትከናኸኖም ዝሕብሩ ምልክት ኢዮም" (ገጽ ምሕረት ፍ.18) ነቲ ንሓዋርይዊ ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተሓዝአ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ንኽፈትሑ ፍሉይ ስልጣን ተዋሂብዎም ዘለዉ ካህናት ከኣ ኢዮም።

መደባት ንግደቶም

ኢዮቤል ሚስዮናውያን ምሕረት ጽባሕ ዓርቢ ዕለት 28 መጋቢት ሰዓት 10 ቅ. ቐ. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዝካየድ ናይ ጸሎት መደብ ክጅምር ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ራብዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ናይዞም ልኡካነ ምሕረት ዝኾኑ ካህናት ዘመልክት ክኸውን ኢዩ።

እዚ ብናይ ቅድስቲ ምንበት ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እተወደበን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዚካየድን ኣህጉራዊ ዋዕላ እዚ ኣብቲ "ይቕረታ ኸም ምንጪ ተስፋ" ዚብል ፍረ ነገር ኬተኵር እዩ፣ ኣብ ክልተ ክፋላት ተመቒሉ ድማ ክካይድ ኢዩ።

እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ መደብ ኣብቲ ብባህሪኡ ሥነ መለኮታዊ ዝዀነ መተኣታትዊ መደብ ልክዕ ሰዓት 10፡30 ቅ. ቀ. ኣብ ዝካየድ ክፍለ ግዜ፣ በቶም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊሲሸላ መእተዊ ድሕሪ ምግባር፣ እቲ ኻልኣይ ክፍለ-ግዜ ድማ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ንዕዮ ሓዋርያዊ ጕስነት ብዝምልከት መምርሒ ዘቕርብ መደብ ክኸውን እዩ።

መደብ 24 ሰዓት ንጐይታ

እቲ ኣኼባ ሰዓት 4 ናይ ምሸት ኣብ ማእከል ከተማ ሮሜ ክቕጽል ኢዩ፣ ነቲ ንመበል 12 ግዜ ዝካየድ ዘሎ መደብ "24 ሰዓት ንጐይታ" ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ እንድርያስ በዓል ቫለ ነእዞም ልኡካነ ምሕረት እተሓዝአ መደብ ክካየድ ኢዩ ።

እዚ ብ2013 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ መደብ ጸሎት ዘመነ ጾም ዓቢይ፣ ሓደ ተበግሶ ጸሎትን ንስሓን ኮይኑ ኣብ ድሮ እታ ራብዐይቲ ሰንበት ዘመነ ጾም፣ ካብ ዓርቢ 28 መጋቢት ክሳዕ ቀዳም 29 መጋቢት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ ሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን ክካየድ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ መደብ እዚ ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል "ንስኻ ተስፋይ ኢኻ" (መዝሙር 71፡5) ኣብ ዝብል ፍረ ነገር ክካየድ መሪጾም ኣለዉ።

ዕላማ እዚ መደብ እዚ ኣብ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ምሥጢረ ንስሓ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብዝብል ሓሳባት ንምትኳር ድማ ኢዩ።

ቍምስናታትን ክርስትያናት ማሕበረሰባትን ነቲ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት እዚ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘገልግል ሰነድ ኻብቲ ወግዓዊ ገጻት ርበብ ሓበሬታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክረኽብዎ ዝከኣል ኢዩ።

ጸሎተ መቝጸርያ፡ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ መደብ ሙዚቃዊ ምርኢት

ቀዳም ዕልት 29 መጋቢት እዞም ልኡነት ምሕረት ዝኾኑ ካህናት ኣብቲ ካብ ሰዓት 9 ክሳዕ 11 ድ. ቀ. ንቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሳገሩ ዕድል ክረኽቡ ኢዮም።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ኣብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ዚርከብ በዓቲ ቅድስቲ ማርያም ዘሉርደስ ጸሎተ መቝጸርያ ከዕርጉ ኢዮም።

እዚ ንግደት ኢዮቤሎም ድማ በቲ ሰንበት ዕለት 30 መጋቢት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ እንድርያስ ዘቫለ ልክዕ ሰዓት 10 ቅ. ቀ.፣ ብብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊሲዚኬላ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ።

28 Mar 2025, 15:53