ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት፣ ዋዕላ 'ነዊሕ ዕምሪ ቫቲካን' ኣካይዱ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት "ነዊሕ ዕምሪ ቫቲካን - ገደብ ግዜ ምስጋር" ኣብ ዝብል ኣስርእስቲ ንዝተወደቦ ዋዕላ፣ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 24 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣጐስቲንያኑም ኣካይዱ።
ነዚ ተበግሶ እዚ መግለጺ ንምሃብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ጋዜጣዊ መግለጺ ተኻይዱ ።
ገለ ኻብቶም መግለጺ ዘቕረቡ ድማ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓልያ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት ዝኾኑ፣ ክቡር ኣባ አልበርቶ ካራራ ኣቦ መነብር ኣዋሃሃዲት ኮሚቴ፣ ዶ/ር ጁልዮ ማይራ ክዒላ ሥርዓተ ነርብን መስራቲት ማሕበር ኣቴናን ፣ ዶ/ር ቨንካትራማን ራማክሪሽናን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቨል 2009 ኣብ ሥነ ቀመማትን፣ ዶ/ር ዃን ካርሎስ ኢዝፒሱዋ በልሞንት ተመራማሪ ኣብ ስነ ህይወትን ሱር ዋህዮታትን ኣብ ምሕዳስን ኢዮም ዝነበሩ ።
ር. ሊ. ጳ. ብምምላሶም እተሰምዖም ሓጐስን፣ ሰላምታ ቅዱስ ኣቦናን
ምክትል ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መነብር ክሪስቲን ሙረይ ፈለማ ብዛዕባ ምውጻእ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሆስፒታል ብምምልካት ዝተሰምዖም ዓሚቝ ሓጐስ ብምግላጽ ነቲ ኣጋጣሚ ክፈተቶ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ናይ ሕብረተሰብ "ዝኽሪ" ከምኡውን "ጥበብ" ምዃኖም ብተደጋጋሚ ኣትሪሮም ከም ዝገለጹ ብምዝካር፣ እዚ ኸኣ ናይ ውድቀት ጕዳይ ዘይኰነስ ናይ "ጸጋ" ጕዳይ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ በለት።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፓግሊያ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ዕዱማት ሰላምታ ድሕሪ ምልጋስ፣ ኣብዚ ግዜና ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ብሓባር ዝነብሩ ወለዶታት ከም ዘለዉ ድማ ትዕዝብቶም ኣመልከቱ። እንተዀነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ እዞም ወለዶታት እዚኣቶም ሓሳብ ንሓሳብ ዘይለዋወጡ ምዃኖምን፣ እቲ ዘሕዝን ኩነታቶም መፍትሔ ክረክብ ከም ዝለዎ ብምግላጽ ዝስምዖም ጓሂ ኣመልከቱ።
ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት "ኣረጋውያን ኣብ ሕብረተሰብ ጾር ዘይኰኑስ ጥቕሚ ዘለዎም ምንጪ ተመክሮን ጥበብን፣ መተካእታ ዘይብሉ ባህላውን ሰብኣውን ውርሻ ኢዮም ዘመልክቱ" ብምባል ወሲኾም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ "ንኣረጋውያን ኣኽቢሩ ዘይርእዮም ህዝቢ መጻኢ ዘይብሉ ህዝቢ ኢዩ " ብምባል ንዘቕረብዎ ቐጻሊ ምሕጽንታ ውን ዘከሩ ። "እርጋን ዘለዎ ዋጋ ኣፍልጦ ዘይህብን ንኣረጋውያን ምክንኻን ዝጻረርን ባህሊ ምውጋድ" ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።
ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ ኣብዚ ውዳበ እዚ ናብ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበታት ብማዕረ ምእታው "ቐንዲ ጕዳይ" ከም ዝኸውን ገለጹ፣ ኣብኡ ኸኣ "ምህዞታት ሥነ ሕይወታዊ ሕክምናታት፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ ደረጃ ብዘየገድስ ንህይወት ኵሉ ሰብ ንምምሕያሽ ዘኽእል መሳርሒታት ደኣ እምበር ናይ ሒደት ፍሉይ መሰል ክኸውን የብሉን" በሉ።
እቲ ሸቶ "ነዊሕ ዕድመ ምንባር ጥራይ ዘይኰነስ ዝሓሸ ናብራ ምንባር" ምዃኑ ብምጕላሕ "እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሕማማት ንምክልኻል" ከምኡውን "ኵሉ ሰብ ጥዑይን ምዕሩግን ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ንክኸውን ኣጋጣሚ ኸም ዝህልዎ ንምርግጋጽ" ጻዕሪ ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።
ብዛዕባ መጻኢ ሕብረተሰብ ዝለዓል ሕቶታት
ብ2009 ብሥነ ቀመማት ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ዝዀነ ዶ/ር ቨንካትራማን ራማክሪሽናን እውን ከምዚ በለ ፦ "ብዛዕባ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ዜገርመኒ እንተሎ፣ ሰባት ዝነውሐ ዕድመ ኸም ዚነብሩ ምግባር ዘይኰነስ ጥዑይ ህይወት ከም ዚነብሩ ምግባር እዩ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኰነን" ዘሎ ውን በለ። "ኵላትና ዝነውሐ ዕድመ ኽንነብር እንተ ጀሚርና እንታይ ዓይነት ሕብረተሰብ እዩ ክህልወና?" ክብል ውን በዳሂ ሕቶ ኣቕረበ።
ብፍላይ ዶ/ር ራማክሪሽናን ንሃብታማት ሃገራት ዝጠቅም ዓብዪ ቝጠባዊ ፍልልይ ክህሉ ከም ዝኽእል ገለጸ፣ እዚ ኸኣ ንኻልኦት ኣብ ጸገም ከም ዘእትዎም ክገብር ይኽእል ኢዩ።
"ነዊሕ ዕድመን ሓድሽ ሕክምናን እንተ ድኣ ወሲኽኩምሉ ድማ ገሊኣቶም ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ዝነውሐ ዕድመ ዝነብሩን ምፍልላይ ዘፍርዩን ክልተ ደረጃ ዘለዎ ሕብረተሰብ ክህሉ ይኽእል ኢዩ" ብምባል ውን ገለጸ።
ሳዕቤን ናይዚ ኼጋጥም ከም ዝኽእል "ዘይተርፍ ኣይኰነን " የግዳስ "ንቕድሚት ክንስጕም ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ" በለ።
ሓደ ኻብቲ ሕቶታት ብዛዕባ እቲ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ እርጋን ተነቃፊ ምዃኑ ዝገለጽዎ፣ ነዚ መዳይ እዚ ኸኣ ምውጋዱ ወይ ካብኡ ምህዳም ዘይኰነስ "ኵላትና ተነቀፍቲ ኢና" ዝብል ኣተሓሳስባ ንህይወትና ዓቢ ትርጕም ክህቦ ዝኽእል ኢዩ።
ምስቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ብምትሕብባር እተሰርሕ ፕሮፌሰር ማይራ ብወገና ብዛዕባ ክበድ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ከምኡውን ተመሳሳሊ ዅነታት እንደገና ከይርከቦም ንምርግጋጽ ኣድላዪ ክንክንን ግቡእ ናይ ዕረፍቲ ግዜን ብኸመይ ከም ዘድልዮም ኣፍልጦ ሃበትሉ።