MAP

ናይ ዓለማውያን ምመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሰር ጋብሪኤላ ጋምቢኖ ናይ ዓለማውያን ምመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሰር ጋብሪኤላ ጋምቢኖ 

ቅድስቲ መንበር፡ 'ትምህርቲ ንጾታዊ ማዕርነት ወሳኒ እዩ’

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ቤጂንግ ንማዕርነት ጾታ ዝምልከት ዘጽደቖ ሰነድ ስጉምቲ ንጾታዊ ማዕርነት፣ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፈ ጉጅለ ቅድስቲ መንበር፣ ደቂ ኣንስትዮ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምሕያል፣ ድኽነት ምጥፋእን ትምህርትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 10 መጋቢት ዝተጀመረ መበል 69 ኩነታት ደቂ ኣስንትዮ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ (CSW69) ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ዕለት 21 መጋቢት ዝቕጽል ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፣ ነቲ ሎሚ ዓመት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ዘብዕል ዘሎ ናይ 1995 ዓ.ም. ኣዋጅን መድረኽ ስጉምትን ቤጂንግ ኣብ ምትግባር ዝተረኽበ ምዕባለታትን ተበጻሕነቱ ንምግምጋምን ዝኣመተ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፣ እቲ ኣብ ራብዓይ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤጂንግ ዝጸደቐ ሰነድ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዘድሊ ኩለመዳያዊ መርሓ ግብርታት ዘንበረ ኮይኑ፣ እምነ ኩርናዕ ኣህጉራዊ መምርሒ ብዛዕባ ጾታ ኮይኑ ዘገልግልን፡ ጾታዊ ማዕርነት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ መሰረታዊ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት እውን ምዃኑ ብኣጽንዖት ዝሕብር ኮይኑ፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝተዘተየሉ ናይ ቤጂንግ ንማዕርነት ጾታ ዝምልከት ዝጸደቐ ሰነድ ስጉምቲ ንጾታዊ ማዕርነት መስርሕ ገምጋም፣ ካብ ድኽነትን ትምህርትን ክሳብ ጥዕና፣ ዓመጽን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዝበጽሕ ዓሰርተ ኽልተ ወሳኒ ስክፍታታት ዝምልከት፣ ንትግባረ እቲ ሰበድ ዝዕንቅፉ ህሉው ብድሆታት እውን ዘስተንትን ምዃኑ ኣፍሊጡ።  

ምጥፋእ ድኽነትን ትምህርትን ቁልፊ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ

ንቅድስቲ መንበር ወኪላ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ እትሳተፍ ዘላ ናይ ዓለማውያን ምመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊት ፕሮፈሰር ጋብሪኤላ ጋምቢኖ፣ ኣብቲ ናይ ዕለት 13 መጋቢት ዋዕላ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፣ ማዕረ ክብሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንኹነታት ዝሰግርን፣ ኣብ ኣፍልጦ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰረተን፣ መሰረታዊ መትከል ምዃኑ ደጊማ ከም ዘረጋገጸት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ይኹን እምበር ማዕርነት ብሕጋዊ ኣገባብ ኣፍልጦ ብምሃብ ጥራይ ምርግጋጽ ዘይኮነስ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ዕድላት ዘረጋግጽ ብጭቡጥ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ብምድጋፍ እዩ፣ ሓቀይና ማዕርነት ንምርካብ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነ ድኽነት ምዃኑን እዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ብዘይመጠን ዝጸሉን ክብረተን ዘዳኽምን ምዃኑ ኣረጋጊጻ፣ እዚ መሰረታዊ ጉዳይ ከይተኣልየ ልምዓትን ሰላምን ዘይብጻሕ ኮይኑ ከም ዝተርፍን፣

“ምጥፋእ ድኽነት መሰረታዊ እዩ፣ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ስለዝጸሉ፣ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ብድኽነት እንተተዳኺሙ ልምዓት ይኹን ሰላም ክህሉ ኣይክእልን እዩ።”

ምስ’ዚ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ድማ ትምህርቲ ምዃኑ ኣመላኺታ፡ እዚ ንጾታዊ ማዕርነት ኣገዳሲ መጋበርያ ምዃኑ ኣብሪሃ፣ “ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ሓይሊ ዝህብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክልቲኦም ጾታ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልና ሃይማኖትን እምነትን ናጽነት እናዓቀቡ ዕቑር ሓይሎም ምሉእ ብምሉእ ክዓትሩ ዝኽእሉሉ ሃዋህው ዘዕቢ እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስድራቤትን ኣደነትን ብዝምልከት ባህላዊ ለውጢ የድሊ

ካልእ ፕሮፌሰር ጋምቢኖ ኣብ ዘስማዓቶ መደረ ዘስመረትሉ ወሳኒ መዳይ፣ ንኣባይቲ ስድራን ኣደነትን ብዝምልከት ባህላዊ ለውጢ ንምምጻእ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ኣገዳሲ ዝብል ኮይኑ፣ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ቃል ኪዳን እኳ እንተተኣተወ፣ ተራ ስድራቤት ሸለል ይበሃል ከም ዘሎን  መምርሕታት ደቂ ኣንስትዮ ሞያውን ስድራቤታውን ሓላፍነተን ሚዛን ንምሃብ እኹል ደገፍ ክህብ ከምዘይከኣለን ኣመልኪታ፣ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ከምዘለወን ዕሽሽ እናተባህለ፣ ንህይወት ስድራቤትን ኣብ ስራሕ ዘለወን ሓላፍነታትን ሚዛን ንምሃብ ዘድልየን ደገፍ ኣይተገብረለን፣” መሰል ህይወት ምሕላው ዘይምኽኣል እውን ኣመልኪታ፡ መሰል ህይወት ምሕላው መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ደጊማ ብምርግጋጽ፣

“እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ መሰል ህይወት ምሕላው ዘይምኽኣል ይረአይ ኣሎ”

ምስ በለት፣ ኣብ መደምደምታ መደረኣ፣ ምዕባለ ከምዝተራእየ እኳ እንተኣመነት፣ እንተዀነ ግን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሓቋፍን ሰላማውን ዘላቕን ዓለም ንምድንፋዕ ምሉእ ማዕርነት ክወሃበን ዝጣበቑሉ ቓላት ብምዝካር፣ "ገና ብዙሕ ክግበር ኣለዎ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Mar 2025, 16:44