ቅድስቲ መንበር ንዘመናዊ ባርነት ንምቅላስ ሓድነት ዝገበረ ጻዕሪ ክህሉ ጻውዒት ተቕርብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዃን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ኣብ ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ግዳያት ባርነትን ስግር-ኣትላንቲካዊ ንግዲ ባሮትን፣ ንቐዋሚ ዋዕላ ተቕዋማት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝቕረብዎ መደረ ባርነት ዝሓለፈ ኩነት ዘይኰነስ ሎሚ እውን ይፍጸም ከም ዘሎ ኣዘኻኸሩ።
"ሎሚ ነዚ ተርእዮ እዚ የዒንትና እንተ ዓሚትና ኣእዛንና እንተ ኣጽሚና ንሕናውን ኣብኡ ንሳተፍ ኣሎና ማለት ኢዩ" በሉ።
እዞም ቐዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ ምንበር፣ ንኣባላት እቲ ቀዋሚ ዋዕላ ታሪኽ ባርነትን ንግዲ ባራዩን ወትሩ ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዘለዎን፣ እንተዀነ ግን እዚ ተዘክሮ እዚ ነቲ ዘመናዊ ባርነት ከም ዘይንርድኦ ክገብረና ከም ዘይብሉ ገለጹ።
ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዛረብዎ ቓላት ብምዝካር ድማ፣ ባርነት ነቶም ምስ ካልኦት ብዚሰማማዕ መገዲ ኣኽቢርካ ዚርአ "ነገራት" ግዳያት ንዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዜመልክት ገለጹ።
ንበሰላታት መቕዘፍቲ ዘመናዊ ባርነት ምጥፋእ
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ክሩዝ ሰራኖ ኣብ መደረኦም፣ እዚ ዋዕላ ኣብ ኣመሪካ ንዚርከቡ ደቀባት ኣፍሪቃ ዝድግፍ ሻምናይ ሰሙን ኣህጉራዊ ኣኼባ ይገብር ከም ዘሎ ኣመልከቱ፣ እዛ ሰሙን እዚኣ "ንኽበድ እዚ ሓቅታትን ስፍሓት እዚ ኩነታትን እዚ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና እዩ" ውን በሉ።
እዚ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘሎና ግንዛበ ንኸነዛይድን፣ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ ሰባት ንምቅላስ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትተሓባበርን ቃልስና ከሕብር ኣለዎ። እዞም ሊቀ - ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ብሓደ ድምጺ . . . ነዚ መዓት እዚ ንምጥፋ ድማ እዩ" ክብሉ ኣጽኒዖም ተጣበቑ።
ስለዚ "ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንቕሓት ሰብኣዊ ኽብሪ ኣገዳሲ ቦታ ዘትሕዝን፣ ሰላማዊ ስኒት ንምምጻእ መስርሕ ምጅማርን ኣድላዪ እዩ" በሉ።
ነቶም ተጋባእቲ ድማ እቲ ቅድስቲ መንበር ነቶም ብዙሕ ግዜ ዘይረኣዩን ዘይስምዑን ግዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት እውን ሓዊስካ ነቶም ኣዝዮም እተገለሉ ሰባት ሽግሮም ዘቃልል "ስነ - ምግባራውን ማሕበራውን መንፈሳውን ትምህርቲ" ንምምዕባል ዘለዋ ቘራጽነት ውን ኣረጋገጸሎም።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ክሩዝ ሰራኖ ነቲ ቅድስቲ መንበር "ንሓባራዊ ደቅሰብ ብሓድነት ኣፍልጦ ብምሃብ ዝያዳ ቅኑዕ ሕብረተሰብ ንምምስራት እኹል ትምህርትን ውዳበን ውሕስነትን ንምሃብ" ዝኣተዎ መብጽዓ ኣረጋገጹሎም።