MAP

2022.06.16 P. Hans Zollner S.I., Istituto di Antropologia della Pontificia Universita Gregoriana, Villa Malta 2022.06.16 P. Hans Zollner S.I., Istituto di Antropologia della Pontificia Universita Gregoriana, Villa Malta 

ክኢላ ሓለዋ ህጻናት ኣባ ዞልነር ፦ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንድሕንነት ሕጻናት ዘለዎ ሓደጋታት

ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ኽኢላታት ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ቤተ-ክርስትያን ዝዀኑ ክቡር ኣባ ሃንስ ዞልነር፣ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ነዚ ንምፍጻም ሰጋእ መጋእ ኪብሉ ኸለዉ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ምስተውዕሎት ዘለዎ ሓደጋ ኣብ ምሕባር ኣገዳሲ ግደ ኽትጻወት ከም እትኽእል ንዜና ቫቲካን መግለጺ ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 22 መጋቢት ሃገረ ቫቲካን ምስ ዓለም ለኻዊ ምሕበር ምክልኻል ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ከምኡ ውን ምስ መንበረ ጥበብ ግሬጐርያና ብምትሕብባር ብጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ትምህርቲ እተወደበ “ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት “ኣብ ቈልዑን ሕጻናትን ዘስዕቦ ሓደጋታትን ኣጋጣሚታትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ማዕላ ኣካይዳ።
ሓደ ኻብቶም ኣዳለውቲ ዝነበሩ ክብር ኣባ ዞልነር ኢየሱሳዊ ካህንን ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮን ከምኡውን ሓደ ኻብቶም ኣብ ምዕቋብ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ቀንዲ ኽኢላ ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ኢዮም።

ክቡር ኣባ ዞልነር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ - "እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብዙሕ ኣወንታዊ መዳያት ኣለዎ፣ ነዚ ድማ ንፈለጦ ኣይንፈልጦ ብዘየገድስ ኵላትና ንጥቀመሉ ኢና ። ንኣብነት ንቘልዑ ብቐሊሉ ኽቈጻጸሮምን ክትጸልዎምን ስለ ዝኽእል ወይ ከኣ ከም ስእለ-ጽዩፍ ዝኣመሰለ ነገራት ስለ ዘቕርበሎም ወይ ከኣ ንግብረ-ሽበራውያን ወይ ንጽንፈይና ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ስለ ዘቃልዖም ውን እዩ።"

ብፍላይ ቈልዑን መሳኪንን ነቲ ኣብ እስክሪኖም ዚርአ ነገራት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ዜናታትን ስእልታትን ቪድዮታትን ብጥንቃቐ ንምምርማር ክእለት ከም ዘይብሎም ክቡር ኣባ ዞልነር ገለጹ። እንተዀነ ግን ገለ ኣጋጣሚታትን ዕድላትን እውን ይህቦም ኢዩ -

ኣባ ዞልነር ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እቲ ብዘይ ጥርጥር ዘሎ ረብሓታት ወለዲ ነቲ ብኢንተርነት ዝግበር ንጥፈታት ቈልዑ ኣብ ምቍጽጻር ደገፍ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ፣ ከምኡውን ብመሰረቱ ጐዳኢ ትሕዝቶ ንምቍጽጻር እውን ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ዘጠቓልል ኢዩ።"

ይኹን እምበር እዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ እዚ ደይመደይ ኢልካ በቶም "ማሕበራዊ መራኸቢ ዝቆጻጸሩ ኩባንያታት ከምኡውን በቶም ኣብ ትምህርትን ኣተዓባብያ ቈልዑን መንእሰያትን ዝሳተፉ ዅሎም" ክምራሕ ኣለዎ በሉ።

ንትምህርቲ ዝኸውን ኣጋጣሚታት

ፍራንዝ ዞልነር ሓደ ኻብቲ ትምህርታዊ ትካላት ዝረኽባኦ ኣጋጣሚታት ልዕሊ ዅሉ "ናይ ምምሃር ኣጋጣሚታትን ትምህርታዊ ትሕዝቶን ብሕታዊ ምግባር" ከም ዝኸውን ምግባሩ ኢዩ፣  እዚ ኸኣ ብቕልጡፍን ብዝበለጸ ዕላማን ክትበጽሖ ዝከኣል ኮይኑ ኣሎ።
ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ ክቡር ኣባ ዞልነር "ብግቡእ መገዲ እንተ ተታሒዙ" ብኢንተርነት ኣቢልካ ዚግበር ኣሰራርሓ ቐልጢፎም ንኼለልዩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ ።

ተሳትፎ ተኣፈፍቲ ጕጅለታት

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም መንእሰያትን ተወከልቲ ካልኦት ተነቀፍቲ ጕጅለታት ውን ከይትረፉ ኰነ ኢሎም ኣብዚ እዋን እዚ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ እተሳፈፉ።

ክብር ኣባ ዞልነር ከም ዝገለጽዎ፣ እቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ እቶም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሜላታት 'እተማህሩ ግዳያት ማህሰይቲ' ዝኾኑ ሰባት ነዚ ኺሰምዑ ኸም ዚደልዮም ውን ገለጹ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብቶም ኪምዝምዝዎምን ኪሃስይዎምን ዚደልዩ ሰባት ምትእምማን ከም ዘሕድሩ ገይርዎም እዩ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ ብዜስካሕክሕ መገዲ ማህሰይቲ ወሪድልዎም እዩ።"

እቲ ዋዕላ ኣብ ርእሲ እቶም ግዳያት ነቶም ናይቲ ኣከባቢ ብሓላፍነት ዚሕተቱ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ተወከልቲ ሓይልታት ፖሊስን ኩባንያታት ተክኖሎጅን እውን ዘቀራርብ እዩ ዝነበረ። ኣባ ዞልነር ከም ዝገለጽዎ ብፍላይ ሓለፍቲ ተክኖሎጂ ኣብ ዕቝባ እቶም ኣብ ኢንተርነት ዚርከቡ መሳኪን ውልቀ-ሰባት ከተኵሩ እንተ ደኣ ኮይኖም ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ሓባራዊ ሓላፍነት ኪፈልጡ ኣለዎም።

ንነዊሕ እዋን ዘተኮረ ዕላማ

ብ2017 ኣብ መንበረ ጥበበ ግረጎርያና ብዝርከብ ማእከል ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ዞልነር፣ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣዳልዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ 'ኣዋጅ ክብሪ ሕጻናት ኣብ ናይ ዲጂታል ዓለም' ኣስዒቡ ኢዩ።

ኣባ ዞልነር ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እዚ ዋዕላ እዚ ምስ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወትን ከምኡውን ምስ ናይ ንግስቲ ሽወደንስ ማሕበር ሕጻናት  ብምትሕብባር፣ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ከም ዘቐጽል ዘሎ ገይረ ኢየ ዝርእዮ በሉ። "ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዓውድታት እንተላይ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝያዳ ምትሕብባር ከም ዜድልየና ዚሕብር ምልክት ውን ኢዩ። ድምጺ ሃይማኖታትን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዝሕብር ምልክት ውን ኢዩ።"

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እተገብረ ዋዕላ መደረ ከቕርቡ ምድላዮም እቲ ኣርእስቲ ንሃገረ ቫቲካን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ ምዃኑ ኣባ ዞልነር ወሲኾም ገለጹ።

ክቡር ኣባ ዞልነር ኣብ መወዳእታ ከምዚ በለ - "እዚ ዋዕላ እዚ ኣገዳሲ ምልክት ኢዩ ዝመስለኒ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም ሰባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነን ዳርጋ ንዅሉ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንዝበጽሕ ክፍሊ ህይወት ክንበጽሕ ቈራጽነት ንገብር ኣሎና። ነቶም ንናይ ዓለም ብፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን መዳይ ዝያዳ ድሕንነት ከም እትህልዋ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባት እውን ብዛዕባ ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነቶም ከነዘኻኽሮም ኣገዳሲ ኢዩ ዝመስለኒ ። ብፍላይ ካብ እተፈላለየ ጉጅለታት ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝመጹ ፖለቲከይናታትን ካልኦት ኣብ ሕብረተሰብ ዝርከቡ ወሰንቲ ሰባትን ንኣሉታዊ መዳያት ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ምሕባር የጸግሞም ኢዩ።'

25 Mar 2025, 15:17