MAP

ካርዲናል ጋምቤቲ፡ ካብ ቤት ሕክምና ምውጻእ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ መከራ ንዝርከቡ ምልክት ተስፋ እዩ ካርዲናል ጋምቤቲ፡ ካብ ቤት ሕክምና ምውጻእ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ መከራ ንዝርከቡ ምልክት ተስፋ እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ካርዲናል ጋምቤቲ፡ ካብ ቤት ሕክምና ምውጻእ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ መከራ ንዝርከቡ ምልክት ተስፋ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ 38 መዓልታት ዕለት 23 መጋቢት ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝወጽሉ ምሸት፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ጸሎት መቝጸርያ ዝመርሑ፣ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቃነ ካህናት ካርዲናል ጋምበቲ፥ "እቲ ናይ ዕለቱ ጸሎት ከምቲ ክካየድ ዝቐነየ እግዚኣብሔር ብቕልጡፍ ምሉእ ሕውየት ክጽግዎምን ክባርኾምን ንህዝቢ እግዚኣብሔር ከምርሑ ሓይልን ጥዕናን ክህቦም ንምህለል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቤት ሕክምና ወጺኦም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ምምላሶም ዓቢይ ሓጎስ ይስምዓና፣ ምስ ማርያም ሓቢርና ንእግዚኣብሔር ነመስግን . . .

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣብዚ ናይ ሕማም እዋን ቤተ ክርስቲያን ብዓቢ እምነት ዝተጸበየቶም ፍቑር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቤቶም ኣብ ዝተመልስሉ ዕለት እውን ከምቲ ኣብ ቤት ሕክምና ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዞም እንገብሮ ዝነበርና ጸሎት መቑጸርያ ንኽንደግም ተኣኪብና ኣሎና። እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናብ ቤቶም ምምላስ ነቶም ኣብ መከራን ስቓይን ዝርከቡ ምልክት ተስፋ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ንቕዱስነቶም "ኣብቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጽንኩር እዋን ዘሰንዮም ጸሎትና ይቕጽልን ንእግዚኣብሄር ቅልጡፍን ምሉእን ሕውየት ክጽግዎም ንምህለል፡ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ብፍቕርን ብጥበብን፡ ብሓይልን ክመርሑ መታን ሓይልን ጥዕናን መሊሱ ክጽግዎም ንጽሊ . . .  ምእመናን ብሓባር "ኣማላድነት ኣመ ቤተ ክርስቲያን ብምምሕጻን ንቕዱስ ኣቦና ብኣደኣዊ ሓለዋኣ ክትድግፎም” ክጽልዩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

24 Mar 2025, 16:56