MAP

Predica di Quaresima del predicatore della Casa Pontifici fra Pasolini Predica di Quaresima del predicatore della Casa Pontifici fra Pasolini  (ANSA)

ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዘመነ ጾም፦ ከም መልህቕ ኣብ ክርስቶስ ክንሰጥም ዝቐርበልና ጻውዒት

እቶም ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፣ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኣስተንትኖ ንዘመነ ዓቢይ ጾም 2025 ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፣ ከም መልህቕ ኣብ ክርስቶስ ሰጢምና ክነብር ከም እተጸዋዕና ብምግላጽ ብዛዕባ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተንተኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስካዊ ካህን ክቡር ኣቦይ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ዝለገስዎ ንዘመነ ዓቢይ ጾም ዝምልከት ናይ መጀመርታ ኣስተንትኖኦም - "ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል እዚ ኣብ ክርስቶስ ከም መልህቕ ሰጢምና ክነብር ንጽዋዕ ኣሎና” ክብሉ ኣስተምህሮ ለጊሶም።

ይኹን እምበር እዞም ሓድሽ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ዝኾኑ ካህን፣ እዚ ሓሳብ እዚ ዘጸናንዕ እኳ እንተዀነ "ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክህልወና . . . ነቲ ቀላሲ ሓሳባት ወንጌላዊ ንስሓ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎን፣ ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዘሎ ሓሳባትን ደረት ደቅሰብን እንደገና ንኽገልጸልና ኽንፈቕደሉ ኣሎና" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ከምዚ ንምግባር ነቲ ናብ ዘለኣለማውነት ገጽና እንገብሮ ጕዕዞ ካብ ህይወት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንመሃር ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን ገዛእ ርእስና ቅሩባት ክንገብር ከም ዘሎና ውን ኣመልከቱ።

ጥምቀት ክርስቶስ፦ ንጕዕዞና ዜብርህ ምሳሌ

ክቡር ኣባ ፓዞሊኒ ኣብዛ ናይ መጀመርታ ኣስተንትኖኦም፣ ካብቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝፈጸሞ ጥምቀትን ካብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘጋጠሞ ፈተናን ኣትሒዞም ብዛዕባ ጅማሬ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ። "ጥምቀት ክርስቶስ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ፍጻመ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንጕዕዞ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዜብርህን፣ ንሕና እውን ክንገብሮ ንእተጸዋዕና እተወሰነ ተግባራት ዜርኢ ምሳሌ እዩ" በሉ።

ክቡር ኣባ ፓዞሊኒ ኸም ዝገለጽዎ ካብዚኣቶም እቲ ቐዳማይ ንኻልኦት ቦታ ንምሃብን፣ ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእን ኢዩ ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ "ንርእሱ ኣብ ኵነታት ደቂ ሰብ ብምጥሓል ነቲ ናይ ኵሉ ሰብ ኩነት ተነቃፊነትን ታሪኽን ምሉእ ብምሉእ ብምቕባል ሓቢሩና ኢዩ" በሉ።

ኣስዒቦም ድማ እዞም ሰባኬ ቤተ ጳጳስ፣ "ነቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ወንጌል ብሓቂ እንሰምረሉ" እንተ ዄንና ንርእስና እንሓትተሉ "ቐጻሊ ውሽጣዊ ብድሆ" ዘጠቓልል ካልኣይ ተግባር ንስሓ ከም ምዃኑ ገለጹ። ንስሓ ወይ ምምላስ ማለት "ስነ-ምግባራዊ ለውጢ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ውሳኔታትን ከምኡውን ንካልኦት ኣብ ዘሎና ፍቕሪ ዓሚቝ ለውጢ ምግባር ማለት ኢዩ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ክቡር ኣባ ፓዞሊኒ "ካብ ኩነትና ኸይሃደም ወይ ግድነት ዘይብልና ከይኮና ከይንርከብ" ተጸዊዕና ኣሎና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ኻብቲ "ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ወጥርን ፈተናን ከምኡውን ምስሕሓብን" ኬምልጥ ኣይፈተነን ክብሉ ኣመልከቱ።

ኣባ ፓዞሊኒ ኣብ መደምደምታ "ንሕናውን ገለ ሰብ ዝሰርሖ ዕቝባ ከየናደና ወይ ንርእስና ከየገለልናን ከይሃደምናን ምስቲ እተሓላለኸ ንጥፈታትን ብድሆታቱን ግዜና ጽኑዓት ኴንና ኽንቅጽል ኢና ተጸዊዕና ዘሎና" ብምባል ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ። "እቲ ዘይጥንጥነና ግናኸ ዅሉ ሳዕ ምሳና ዚነብር" ኣምላኽ "ንመገድና ሰብ ክነብረሉ ዝኽእል" ክገብሮ በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ምዃኑ ኽንግንዘብ እንኽእል ክብሉ ኣመልከቱ።

25 Mar 2025, 15:14