MAP

ምርጋፍ ኣጽዋርን ሓድሽ ህይወት ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ምርጋፍ ኣጽዋርን ሓድሽ ህይወት ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን  (AFP or licensors) ርእሰ ዓንቀጽ

ምርጋፍ ኣጽዋርን ሓድሽ ህይወት ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን

ቫቲካን ዜናን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀመሊ፣ ሓያላት ዓለም እንደገና ንምዕጣቕ ኣብ ዝጓየያሉ እዋን ውግእ "ትርጕም ኣልቦ" ምዃኑ ደጊሞም ከምዘረጋገጹ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውሑዳት ግን ከኣ ትርጉም ዘለዎም ቃላት፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቦምባታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝፍነወሉ ዘሎ እዋን፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ነቲ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ንዕሽነት ኲናት፣ ብዝያዳ ብንጹርን ግልጽን የዘኻኽርዎ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ናብ ኮሬረ ደላ ሴራ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለትዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ደጊሞም ድምጾም የስምዑ - ልክዕ ኣብ በረኻ ዝጭድር ዝነበረ ድምጺ ዮሓንስ መጥምቕ ብዝመስል - ኲናት ንማሕበረሰባትን ከባብን ከም ዘዕኑ ደጊሞም ይገልጹ።

ኤውሮጳ ሓዊሱ ዓለም፣ ነቲ ድሮ ንኹሉ ወዲ ሰብ ብዓሰርተ ዕጽፊ ከጥፍእ ዝኽእል ኣጽዋር ንምውናን ገዚፍ ገንዘብ ከተውፍር ድልውቲ ኮይና፣ ዳግማይ ክትዕጥቕ ትጓየ ኣላ። እቶም ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት ኣብ ቤት ሕክምና ዝርከቡ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ነቲ ናብ ዓዘቕቲ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ዝወስድ ቅድድም ኣጽዋር ደው ንምባል ዝሕግዝ መንገዲ ከርእዩና ድማ ተስፋ ኣይቆርጹን እዩም። ቅድሚ ኩሉ ዕጥቂ ቃላትናን ኣእምሮናን ክንፈትሕ፣ እንነብረላ መሬት ዕጥቃ ክትፈትሕ ይዕድሙና።

ኣብቲ ብናይ ዓለም ተለቪዥን ከይተረፈ ዝመሓላለፍ ዘተን ዓውደ ርክባትን ኣኼባታትን ዝግበረሉ ከምኡውን ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ዘነኣእስ ቃላት ምጥቓምን ንተቓዋሚ ጋኔን ገይሩ ዘቕርብ ኣረኣእያ ዝፍነወሉን፣ ከምኡውን ናይ ሓሶት ዜና ዝሰፍሓን ዘሎ እዋን፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስትንታንን ህድኣትን ዝተሓላለኸ ህልው ኩነታት ብዕምቆት ምርዳእን ከም ዘድሊ ይዕድሙ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ሎሚ ዓለም ዝረሳዓቶ እትመስል ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዳግማይ ክትረኽቦን፣ ከምኡውን ነተን ክድልድላ ደኣ እምነር ክዳኸማ ዘይግብአን ኣህጉራዊ ትካላት ሓድሽ ህይወትን ተኣማንነትን ከም ዘድልየን የተሓሳስቡ።

እቲ መንገዲ ምርጋፍ ኣጽዋር እምበር ናይ ዳግመ - ምዕጣቕ ከምዘይኮነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሕታም ናይ ሮሞዳን – መኣዲ ኢፍታር” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሞሮኮ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ "እቶም ኣጽዋር ክዕጠቑ ዝመርጹ ኣጽዋር ከም መከላኸሊ ዝመስል እኳ እንተዀነ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምዃኑ ክግንዘቡ ኣለዎም። ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ሓፈሻዊ ምጕዳል ኣጽዋር ክህሉ ግዲ ኽንብል ኣሎና። እዚ ድማ ካብቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እተኻየደሉ ግዜ ኣትሒዛ ቅድስቲ መንበር ብቐጻሊ እተቕርቦ ጻውዒት እዩ” ቢሎም፣ "ስለዚ በቲ እንወስዶ ዘሎና ኣንፈት ክንዓግብ ኣይንኽእልን ኢና ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣጽዋር ውግእ እናደልደለን እናተራቐቐን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ” እንክብሉ የዘኻኽሩና።

(Andrea Tornielli)

19 Mar 2025, 17:03