MAP

ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና ምስ ር.ሊ.ጳ. ብሕብረት ክካየድ እዩ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና ምስ ር.ሊ.ጳ. ብሕብረት ክካየድ እዩ  (Vatican Media)

ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና ምስ ር.ሊ.ጳ. ብሕብረት ክካየድ እዩ

ብምኽንያት ዓቢይ ጾም 2025 ዓ.ም. ከምቲ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ላዕልዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ ዘሳትፍ ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ዝምራሕ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ካብ ዕለት 9 - 14 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኩርያ ሮማና 2025 ዓ.ም. ዕለት 9 መጋቢት ሰዓት 17 ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክጅምር እዩ። ክሳብ ዕለት 14 መጋቢት፣ ምስቶም ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዝርከቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ |”መንፍሳዊ ሕብረት” ገይሩ ክቕጽል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይቲ ሱባኤ ዓቢይ ጾምት መርሕ ቃል ድማ "ተስፋ ዘለኣለማዊ ሕይወት" ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ትንሳኤ፡ ተስፋን ምጽንናዕን

እቲ ህየንተ ቤተ ጳጳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝካየድ መንፈሳዊ ሱባኤ ዝኽተሎ መርሕ ቃል እቲ ንኹሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ዝኣተወ ትንሳኤ ክርስቶስ "ብጉባኤ ኒቅያ ዝተኣወጀ ተስፋን ሕመረት ዝለዓለ መግለጺ እምነትን ክርስትና" ምዃኑ የጉልሕ። እዚ እምነት እዚ፡ "ንዘመናት ንደቂ ሰባት ምንጪ ምጽንናዕን መምርሕን ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ትርጉም ህላወ ዘብርህ እዩ" እንክብል፣ ምስ ግዜ ግን "እዚ መብጽዓ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ደቢኑን ዝዓሞቖ ትርጉሙ ድማ ሃሲሱን” ይርከብ፣ "ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዝኽበር ፍሉይ ዓቢይ ጾም . . . ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝፍጸም ነገር ዘይኮነስ፣ ድሮ ንህላወና ዘብርህ ኣብ ጉዕዞ ደቂ ሰባት ብቐጻሊ ኣብ ዘጋጥም ፈተናታትን መከራን፡ ክግለጽ ዝደሊ ክብሪ ኣምላኽ ካብ መፈለምታ ዓለም ኣትሒዙ ቃል ዝኣተወልና ተስፋ ዘለኣለም መግለጺ ምዃኑ ከነስተንት ኢና” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Mar 2025, 16:22