ካርዲናል ፓሮሊን፥ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ካብ AI ክመጽእ ዝኽእል ጉድኣት ንምክልኻል ህጹጽ ስጉምቲ የድሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 21 መጋቢት ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "መሳጢ" ብተመሳሳሊ ድማ "ዘፍርሕ" መጋበርያ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ኣዘካኺሮም፣ እዚ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘቕርቦ ሓደጋታትን ዕድላትን ዝተወፈየ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ምስ ኣህጉራዊ ትካል ሓልዮ ሕጻናት ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ተቕዋም - ስነ-ሰብ (IADC - ብዛዕባ ክብርን ክንክንን ደቂ ሰባት ዘተኮረ ህብረ ክፍለ መጽናዕታት) ብምትሕብባር ዝተዳለወ ዕለት 22 መጋቢት ኣብ እተዛዘመ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኢላታት ብዛዕባ ሓለዋ ህጻናት፣ መራሕቲ ትካላት እደ ጥበብን ክኢላታት እደ ጥበብን ኣባላት በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላትን፡ ገበርቲ ሰናይን፣ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ዝደሓኑን፣ ብተወሳኺ ናይ ሽወደን ንግስቲ ሲልቫናን ልእልቲ ማደሊንን እውን ከም እተሳተፋ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ግልጽነት፣ ተሓታትነት፣ ፍትሓውነት
ካርዲናል ፓሮሊን እቲ ኣገዳስን “ብቕልጡፍ ዝምዕብልን” ብድሆታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ሜላታት ሕጹጽ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣትሓሳሲቦም፦ “መንግስታት፣ ትካላት እደ ጥበብ፣ መምህራን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ብሓባር ኮይኖም ብዛዕባ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ማዕቀፋት ምሕደራን፣ ከምኡ እውን ኣብ ግሉጽነት ጸብጻባትን ህጻናት ማእከል ዝገበረ መምርሕታት ከስተንትኑ ኣገዳሲ እዩ - ቢሎም - ደሕንነት ህጻናት፡ ብሕታ - ውነትን ክብረቶም ምኽባርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ካብ ዘስዕቦ ጉድኣት ምክልኻል እውን ኣገዳሲ እዩ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ ንነፍሲ ወከፍ ህጻን ዝያዳ ጠቓሚ ንምግባር ግሉጽነትን ተሓታትነትን ፍትሓውነትን ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጠንቀቕታታት
ካርዲናል ፓሮሊን፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. ኣብ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት - ብኢንዳስትሪ ኣዚየን ዝማዕበላ ሃገራት ዘካየዶ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዓሚቝን ኣዚዩ ኣገዳስን መደረ መስረት ገይሮም፣ "እቲ ገዚፍን ዘይተኣደነ ዕቑር ሓይሊ ዘለዎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ፣ ነቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብሓንሳእ ዘሐጕስን ዘደንቕን መጋበርያ ይገብሮ፣ እዚ ምዕባለ እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ ዘምጽኦ ብድሆታት ዝመዓራረ ኣስተንትኖን መጽናዕትን ይሓትት፥ ቢሎም - ስርዓታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዕብየቱን ምዕባለኡን ብዘይተለምደ መንገዲ ቅልጡፍ ኮይኑ፣ ንሕብረተሰባትና፣ ብፍላይ ድማ ንህይወት ሕጻናት ብዕምቆት ዳግማይ ክቐርጾን ክቕይሮን ቀሪቡ ኣሎ፣” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እደ ጥበብ ኣብ ኣገልግሎት “ሰናይ”
ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት፣ "እዚ ሓድሽ እደ ጥበብ ኣብ ኣገልግሎት ሰናይን ጽቡቕ ሂወትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ፣ ክብሪ ደቂ ሰባትን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ዝዕቅብ ክኸውን ኣለዎ” ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ነቲ Antiqua et Nova - ጥንታውን ሓድሽን ዝብል ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት ብምትሕብባር ብዛዕባ ሰብኣዊ ምስትውዓልን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ሕቶ መሰረት ዝገበረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም. ውግዓዊ ዝግበርዎ ሰነድ ጠቒሶም የተሓሳስቡ።
ሓባራዊ ስጉምትን ዓለማዊ ምትሕብባርን
“ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንድሕንነትን ትምህርትን ቈልዑ ናይ ምምሕያሽ ተኽእሎ ኣለዎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንሎ ድማ ማሕበራዊ መርበባት ምጥቃም ምጥሓስ ውልቃዊ ጕዳያት ወልፊ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ከምኡውን ምዝመዛ ዝኣመሰለ ከበድትን ኣሰከፍትን ሓደጋታት ከስዕብ ይኽእል እዩ" ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. እተገብረ ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ መጋባእያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኸም ዝገለጽዎ፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነት ሰብኣዊ ድሕንነት ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ምዕባለታት እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምጽኦ ዝሰፍሐ ሳዕቤን መሰረታዊ ሕቶታት ዘበግስ ኢዩ - ቢሎም - ስለዚ ምጥቃም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ፍሉይ ኵነታትን “መትከል ምትሕግጋዝን” ዝተመርኮሰ “ግቡእ ምላሽ” ክድለይ ይጠልብ፣ ውልቀ ተጠቀምቲ፣ ኣባይቲ ስድራ፣ በርገሳውያን ማሕበራት፣ ትካላት፣ መንግስታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናብ ናይ ኩሉ ሰናይ ጽቡቕ ዘቕንዐ ምዃኑ ንምርግጋጽ፣ ህጹጽን ሓባራውን ስጉምቲ የድሊ፣ ከምኡ’ውን እዚ ሓድሽ እደ ጥበብ እዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ስነ ቀመራዊ ዘመን ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ህጻን ክብርን ጽቡቕ ሂወትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፣ ዝውሕስ ክኸውን ምትሕብባር የድሊ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።