MAP

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምምራሕ ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን ካርዲናል ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምምራሕ ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን  (Vatican Media)

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምምራሕ ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ኮሪየረ ደላ ሰራ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 29 መጋቢት ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር መዓልትታት እውን ከይተረፈ ነቲ ውሳኔ ናቶም ዝሓትት ጸብጻባት መርሚሮ ውሳኔ ካም ብሃም ከም ዘይቦኾሩቡ ሓቢሮም፣ ብጀካ እዚ እውን ከምቲ ልሙድ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብመሰረት እቲ ቅዱስነቶም ዝህብዎ መዝነትን ወይ ንኻልኦት ብዝህብዎ ውክልና መሰረት ጉዳያት ክፍጸሙ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጥዕና ምኽንያት ዕለታዊ መርሓ ፍጻሜታቶም ዝነከየ እኳ እንተኾነ፣ "ምምሕዳር ቤተ - ክርስትያን ግን ኣብ ኢዶም ኢዩ ዘሎ . . . ኣብ ቤት ሕክምና ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኮነ ሕጂ እውን ኣብ መንበሪኦም ሃገረ ቫቲካን ኮይኖም ዝከታተልዎ ፍወሳ እውን እንተሃለወ፣ ነቲ ባዕሎም ወይ ውሳኔኦም ዘድልዮ ጉዳያት ንምምርማርን መፍትሕን ናይ ምህብ ዘለዎም ክእለት ከም ዘሎ እዩ። ዝተቛረጸ ነገር ብፍጹም ከም ዘየለ የረጋግጹ።

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ኣሰራርሓ ቅድስቲ መንበር ክዛረቡ እንከለዉ፣ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ኣብ ዝነበርሉ እዋን እውን ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምምራሕ ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን፣ “ተሓባበርቲ ኩርያ ከይተወከስዎም ክፍጽምዎም ዝኽእሉ ዝገብር ብዙሕ ተወሳኺ ኣገባብ ዕዮ ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ኣቐዲሞም ብዝተዋህቦም መምርሒታትን ዝተሓንጸጹ ሕግታትን ተመርኲሶም ዘሳልጥዎ እዩ።”

ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንቅዱስ ኣቦና ዝቐርቡ ጉዳያት፣ "ናቶም ውሳነ ዘድልዮ ጉዳያት ጥራሕ እዩ፣ እቲ ዝተረፈ ኸኣ እቲ "ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ. ዝዓዪ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት፣ ነቲ ቅዱሰነቶም ዘዳለውዎ "መምርሒታት ብምስዓብ" ውሳነታት ንምግባር ክጥቀመሉ ዝኽእል "መዝነት" ኣሎ፣ እዚ ድማ "ኣብ ንቡር ግዜ፣" እውን ዝፍጸም ኣገባብ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ሓደ ካብዚ ዅነታት እዚ ኣዋጅ ቅድስና ምዃኑ ብምጥቃስ፣ "እቲ ነዚ መምርሒ እዚ ዝፍጽሙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዮም፣ ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ግን ንሓደ ብስም ር.ሊ.ጳ. ዝፍጽም ተሓባባሪ ክውክሉ ይውከሉ ኢዩ። ስለዚ እቲ ንቓላት ኣዋጅ ቅድስና ዝምስክሩ  ር.ሊ.ጳ. ጥራይ እዮም፣ ብኣካል ተረኺቦም ነዚ ክፍጽምዎ እንተዘይ ክኢሎም ነቲ ናይ ቅድስና ጉዳይ ናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንዝኾኑ ንካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ክውክልዎም ኣንተድኣ ገይሮም፣ ካርዲናል ሰመራሮ ብስም ቅዱስነቶም ንቓላት ኣዋጅ ቅድስና ክምስክሩ ከም ዝኽእሉ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፣ ሕጂ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣገልግሎቶም ምሉእ ብምሉእ ንኽፍጽሙ ዝሕግዞም ሓኻይም ዝኣዘዙሎም ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዕረፍትን ፍወሳን ምክትታል እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

31 Mar 2025, 15:26