ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ንርእሰ ብሔር ሃገረ ሊትዋንያ ተቐቢሎም
ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ንግደት ኢዮቤል ንክፋል ዝመጸ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሊትዋንያ ጊታናስ ናውሴዳ ተቐቢሎም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ዩክረይን ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋን፣ ብዛዕባ እቲ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ሊትዋንያ ዝገበብሮ ዘሎ ኣበርክቶን ኣመልኪቶም ተዘራረቡ ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሊትዋንያ ጊታናስ ናውሴዳ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም።
ከምኡ ውን እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ኣብቲ ሃገራዊ ንግደት ኢዮቤል ንምስታፍ ኣብ ሮማ ምስ ዝተረኽቡ ርእሰ ብሔር እተገብረ ኣኼባ ተሳቲፎም።
ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅስድቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ኣብ እተካየደ ምሕዝነታዊ ርክብ "ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ሕብረተሰብ ሊትዋንያ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ብምጕላሕ፣ በቲ ጽቡቕን ፍረ ዘለዎን ድርብ ርክብ ዕግበት ተራእዩ ኢዩ" ክብል የመላኽት።
"እቶም ኣብቲ ርክብ እተሳተፉ ወገናት ኣብ ከባብያውን ኣህጉራውን ኩነታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምርካብ ኣብ ዝግበር ሕቶታት ተኲሮም ብምዝርራብ" መደባቶም ዛዘሙ።
04 Mar 2025, 13:34