MAP

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሃገር ሞሮኮ ልእኽቲ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሃገር ሞሮኮ ልእኽቲ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ መንጎ ዩክሬይን - ሩሲያን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ዘምጽእ ተኹሲ ደው ናይ ምባ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ጻውዒት ምርጋፍ ኣጽዋርን ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ንምቁራጽ ክፉት ዘተ ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ዘምጽእ ዘተ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ የካፍሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሞሮኮ ልኡከ መንግስቲ፣ ‘”መኣዲ ራማዳን - ኢፍጣር” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ መደብ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን በዚ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና፣ ምርጋፍ ኣጽዋርን ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ንምቁራጽ ክፉት ዘተ ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ንኤውሮጳ ዳግማይ ንምዕጣቕ ዝተወጠነ መደብ ምስ ተሓተቱ፣ ቅድስቲ መንበር ካብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጀሚራ፣ “ሓፈሻውን ቁጽጽር ዝግበረሉን ምርጋፍ ኣጽዋር” ክግበር ጸውዒት ተቕርብ፣ እዚ ጻውዒት እዚ ብቐጻሊ ተቕርቦ እውን ኣላ። ብፍላይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዓሚቝ ለውጢ ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ እዋን ቢሎም፣ “ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ነገራት ዝኸዶ ዘሎ ኣንፈት ክንሕጐስ ኣይንኽእልን ኢና . . . ብዛዕባ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ዘተ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ሕቶ ዝቐረበሎም ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ሩስያ ዝተወሰኑ ቅድመ ኩነታት ዘቐመጠት ትመስል፣ ብፍላይ ድማ ንውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ምኽባር ብዝምልከት፣ ዘተ ንኸይጅመር ዝኽልክል ቅድመ ኩነት ከየቕርቡ ተስፋ ንገብር” ኢሎም።

ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር ነቲ ዘተ ዘለዋ ደገፍን፣ “ነቲ ኲናት ዘወግድን ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ተስፋ ዝገበርናሉ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ከምጽእ” ዝኽእል ክኸውን ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም . . . “ዩክሬን ኣብ መወዳእታ ድልውነታ ገሊጻ ኣላ፣ ነዚ ተኹሲ ደው ምባል ንምጅማር ካብቲ ካልእ ወገን እውን ድልውነት ክህሉ ተስፋ ንገብር . . .” ኢሎም።

ብዛዕባ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝተራኸቡ ኣመልኪቶም፣ ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝበጽሑሉ እዋን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝረኸብዎም ገሊጾም . . . ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መፍትሒ ዘድልዮም ጉዳያትን ጸገማትን” መምርሒኦም ከምዝሃቡ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድክምዎ ርክብ ቅዱሰንቶም ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነቶም ብፍቓዶም ንኽለቁ ብዛዕባ ዘህልው ኣጋጣሚ ተመያይጦም እንተ ዀይኖም ሓደ ጋዜጠይና ምስ ሓተቶም ካርዲናል ፓሮሊን፣ "ብፍጹም!" እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

19 Mar 2025, 16:58