ካርዲናል ፓሮሊንን ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይንን ብዛዕባ ዲፕሎማስን እሱራትን ከም ዝተመያየጡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ "በጃ ክኸውን ዘላ" ክብሉ ዝጸውዕዋ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገረ ዩክየይን፣ ናይ 30 መዓልቲ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ውዕላት ክግበረ ድርድር ይቐስል ብምህላዉ፣ ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ጕጅለታት ዝግበር "ዝዀነ ይኹን ቅድመ-ዅነት ዘይውስኖ ቅኑዕ ዘተታት" ማለት "ብቕንዕናን ንነባሪ ሰላምን" ዝዓለመ ዘተክካየድ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ተስፋ ውን ገለጹ።
ትማሊ ሰኑይ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መነብር ዝወጸ መግለጺ፣ ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ መንጎ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዮክረይን ቮሎዲመር ዜለንስኪን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን እተገብረ ስልኪ ይዝክር። ዜለንስኪ እውን እንተ ዀነ ነቲ ዝርርብ በቲ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ኤክስ ዘመሓላለፎ ጽሑፋት ሓሳባቱ ኣካፊሉ ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቅድስቲ መነብር ዝተዋህበ መግለጺ ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን "ቅድስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብቕልጡፍ ክሓውዩ ዘለዎ ሠናይ ምንዮት ገሊጹ፣ ብዛዕባ እቲ ሃገረ ዩክረይን እተሰማምዓሉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘቕረበቶ ተበግሶ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ሓሳባት ውን ኣመልኪቱ።"
እቲ እቲ ዝወጸ ውሳኔ ድማ ከምዚ ይብል - "ነቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍን እተርጎ ዘላ ጸሎት ብምሕዳስ፣ እቶም ኣብቲ ጕዳይ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ካብ ዝዀነ ይኹን ቅድመ-ዅነት ናጻ ዀይኖም ቅኑዕን ነባርን ሰላም ንምምጻእ ዝዓለመ ልባዊ ዘተ ንምግባር ነቲ ኣጋጣሚ ኽጥቀሙሉ ተስፋ ትገብር።"
"እሱራት ንምፍታሕ ዚግበር ኵሉ ጻዕርታት እውን ተተባብእ" ክብሉ ኣመልከቱ።