ካብ ምእመናን ዝእከብ ምጽዋት ዓርቢ ስቕለት ምስ ቅድስቲ መንበር ‘ህያው ርክብ’ ይፈጥር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ግዜ ዓቢይ ጾም ንበዓል ፋሲካ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ መንጎ እምነትን ምጽዋትን ዘሎ ኣገዳሲ ምትእስሳር ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጆሮቲ፣ ንዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፣ ዕለት 17 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - ፣ ነቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዝፍጸም ስርዓተ ኣምልኾ ዝእከብ ምጽዋት ከነቓቕሑ ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምእመናን ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዘሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምስ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ ዝተኣሳሰሩ ቅዱሳት ቦታታት ንምሕብሓብ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ተልእኾ ንምድጋፍ ዝኣመተ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት - ብስም ቅዱስ ኣቦና - ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጻውዒት፣ “ንኣውያት ናይቶም ኣዝዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ምላሽ ክህቡ” ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝተፈጸመ ተኹሲ ደው ምባል ነቲ ኣብ ቓዛ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ ዕንወት ደው ከምዘበሎ ገሊጾም፣
"እቲ ተዂሲ ደው ምባሉ ንልብና የረስርሶ . . . ብባህሪኡ ድማ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕን ነቲ ጽልኢ ንምጥፋእን እቲ ውሳነ ንበይኑ እኹል ከምዘይከውን ንፈልጥ ኢና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጆሮቲ፣ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣብ ዘረጋገጾ ዘልኣለማዊ ዓወት ዘለዋ ተስፋ ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብር ማሕበረሰብ ክርስቲያን ጭቡጥ ሓገዝ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝደልዩ ኣስተብሂሎም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ናብ ካቶሊካውያን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን “ብእግዚኣብሔር ዝፍቶ ዘርኢ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣዘኻኺሮም፣ ማሕበረሰብ ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ጸልማት ኣብ ዝኸበበሉ እዋን፡ ብርሃን እምነት ህያው ክገብሩን፣ ኣብ መንጎ ወጥርን ናይ ጽልኢ ቃላትን ፍቕርን ሓድነትን ክምስክሩ” ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ጻውዒት ይዝክሩ።
ክርስትያን ማሕበረሰብ ካብቲ ቈልዑ ክመሃሩን ብሓባር ክጻወቱን ዝኽእሉሉ ኣብያተ - ትምህርቲ ኣትሒዞም "ነቲ ሳጥናኤላዊ ሞት ዳግማይ ኸይርእይዎ" ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሎም ህይወት ዳግም ንኽውለድ ናይ ምሕጋዝ "ግዴታና" ክዝክሩ ተማሕጸኖም፣ “ንዓና ክርስትያን እቶም ናይ ስጋዌ ቅዱሳን ቦታታት ፍሉይ ዋጋ ኣለዎም” ቢሎም፣ ንዘመናት ብመገዲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ቦታን ንብረትን
ዓቃቤ ኮይኖም ንዘገልግሉ ፍራንቸስካውያን መነኮሳት ዘቕርብዎ ጉስነት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰበኻታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣባይቲ ሕክምና፡ መእለዪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን፡ ከምኡ’ውን ማእከላት ሓገዝ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝኣመሰሉ ዘካይድዎ ብዙሓት ተበግሶታት ኣመልኪቶም፣ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝእከብ ምጽዋት ነቲ ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ንዝተኣታተወ ጸገም ብሰንኪ ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ኲናት ዝጋጠመ ምቁራጽ ንግደትን ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኽኺሮም፣ “ምስ ቅድስቲ መሬትን ምስ ቅዱሳን ቦታታት ህያው ርክብ ከነረጋግጽ እንተደሊና፣ ብዝተፈላለዩ ትውፊታቶም፣ ነቲ ምሳና ዘሎ ኣምላኽ፣ ብስምና እውን ዘልኣለማዊ ውዳሴ ዘቕርቡ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት እነቕርቦ ሓገዝ ክቕጽል ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ ቅድስቲ መሬትን ህዝባን ዘለና ርክብ ንክርስትያን ንምዝኽኻር ክሕግዙ ተማሕጺኖም፣ “እቲ ዝእከብ ምጽዋት ከም ሓደ ካብቲ ቀዳምነታት ጉስነትኹም ኮይኑ ክስመዓኩም እልምነኩም . . . እዚ ብቐጥታ እቲ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ካብ ግዜ ኢየሱስ ዝጅምር ክቡር ህላወና ዝድግፍ እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።