MAP

ካርዲናል ደ ዶናቲስ ኣብ ኣቨንቲኖ ንዝካየድ ናይ ዓቢ ጾም መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክመርሑ እዮም ካርዲናል ደ ዶናቲስ ኣብ ኣቨንቲኖ ንዝካየድ ናይ ዓቢ ጾም መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክመርሑ እዮም  (ANSA)

ካርዲናል ደ ዶናቲስ ኣብ ኣቨንቲኖ ንዝካየድ ናይ ዓቢ ጾም መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክመርሑ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕክምና ስለ ዘለዉ ነቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ዕለት 5 መጋቢት ዝፍጸም ስነ ስርዓት መኽፈቲ ዓቢይ ጾም ክመርሑ ንናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ከም ዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 5 መጋቢት ኣብ ጎቦ ኣቨንቲኖ ዝፍጸም ስነ ስርዓት መኽፈቲ ዓቢይ ጾም ናይ ሃዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ሓላፊ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ንኽመርሕዎ ር.ሊ.ጳ. ከም ዝሰመይዎም ናይ ጳጳሳዊ ስርዓተ አምልኾ ዓውደ - ኣዋርሕ ሓለቓ ሊቀ ጳጳሳት ጆቫኒ ድየጎ ራቨሊ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ረቡዕ ዕለት 5 መጋቢት ሰዓት 16፡30 ድሕሪ ቀትሪ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ናይ ዓቢይ ጾም መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክመርሑ ብቅዱስ ኣቦና ከም እተሰመዩ ሓቢሩ።

01 Mar 2025, 17:17