MAP

"ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብመሰረቱ ንመነባብሮ ህጻናት ክቕይሮ እዩ" "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብመሰረቱ ንመነባብሮ ህጻናት ክቕይሮ እዩ"  (REUTERS)

"ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብመሰረቱ ንመነባብሮ ህጻናት ክቕይሮ እዩ"

ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠት፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘለዎ ጽልዋ ኣማእኩሉ ንኽመክር ዘዳለዎ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 22 መጋቢት ከም ተኻየደን፣ ኣብ መንጎ ሓቀይናን ምናባውን ዓለም ዘሎ ፍልልይ ክሃስስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፈት ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ሕጻናት በዓል መዚ ሴሲል ኣፕተል፣ ንኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘይበጽሖ ዞባታት ከይህሉ ትላበው።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ህጻናት ኣብ እዋናዊ ዓለም ንዕብየቶም ዓቢ ዓቕሚ ዘለዎም ሓደስቲ መጋበርያ - እደ ጥበብ ክረኽቡ ምፍቃድን፣ ኣብ ልዕሊኦም ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ምንካይን፣ ከመይ ጌርና ቅኑዕ ሚዛን ከነትሕዞ ንኽእል?" ንዝብል ሕቶ ኣብቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ኣብ ዝሰናደዎ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ናይቲ ተቕዋም ህንጻ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣስታት ስሳ ሰባት መልሲ ንምንዳይ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 22 መጋቢት ከም ዝመኸሩን፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ትካል ሓልዮ ህጻናት ምክትል ሓላፊት ማእከል ምርምርን ዘላቕን ጉዳያትን ኣብ ዘቕረበቶ ጽማሬ፣ ዕድላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምቲ ኣብ ትምህርቲ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኣካላውን ስነ - ኣእምሮኣውን ሰናይ ሕይወት ህጻናት ዘስዕቦ ሓደጋታት ርኡይ ምዃኑ ትገልጽ። "ንኣብነት፡ ሓደ ቆልዓ ኣብ መወዳእታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕርቃኑ ከቃልዓሉ ዝኽእለሉ ናይ ሓሶት ምስልታት ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ተፈጢሩ ኣሎ።"

ንመጻኢ ወለዶታት ዝኸውን ምዝንባዕ

ሎሚ ገለ ህጻናት ድሮ ናይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ተጠቐምቲ ንምዃን በቒዖም እዮም፣ እዚ እደ ጥበባዊ ምዕባለ እዚ ድማ ንኣገባብ ህይወቶም፣ "ብመሰረቱ ይቕይሮ" ኣሎ። ብርግጽ ትብል ሴሲል ኣፕቴል፣ "ኣብ መንጎ ሓቀይና ዓለምን ምናባዊ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ በብቑሩብ ይሃስስ ኣሎ፡ ኣብ መንጎ ብሓባር ምዃንን ብምናባዊ መንገዲ ምትእስሳርን ድማ ብሓቂ ፍልልይ ዳርጋ ዘይብሉ ዘምስል ኩነት ይፈጥር ኣሎ።” ይኹን እምበር፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ገና ሓድሽን ብቐጻሊ ዚምዕብልን እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ኢድ ኩሉ ሰብ ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ፣ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዘለዎ ጽልዋ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ። "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምሉእ ብምሉእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እዩ ኢልና ክንሓስብ ግን የብልናን" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Mar 2025, 16:53