ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ቓዛ ዓዲ ፍልስጥኤማውያን ኮይና ክትቕጽል ኣለዋ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዋላኳ ዕንወትን ፍርስራስን ይሃሉ . . . ቓዛ "ንወለዶታት . . . ኣብኣ ተወሊዲም ንዝዓበዩን ዝነብሩን ፍልስጥኤማውያን መዕቆቢት እያ፣” ነዚ ዝበሉ ዋና ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር፣ ኣብቲ ምስ ናይ ልኡካነ ወንጌል ኢየሱሳውያን ኣመሪካ እተሰምየ መጽሔት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፣ ብጹዕነቶም ድሕሪ እቲ ኣብ ሙዩኒክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታ፣ ኣመሪካ ምስ እተሰምየ ኢየሱሳውያን መጽሔት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ቓዘ ክነብሩን ኣብኡ ህይወቶም ክሃንጹን ከም ዝደልዩን፣ ኣንጻር እዚ ድላይ ፍልስጥኤማውያን ክንከይድ ዝከኣል ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ንፍልስጤማውያን ካብ ውሽመጥ ቓዛ ወጺኦም ኣብ ካልእ ቦታታት ክሰፍሩ ምግባር ዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ፥ “ቅድስቲ መንበር ግዱድ ስደት ብዝምልከት ዘለዋ መርገጺ ዓቂባ፣ ንውግእ፡ ግጭት ወይ ካልእ ዓይነት ጸገም ንምፍታሕ ቅኑዕ መገዲ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን . . . ግዱድ ስደት ዘይቅቡል እዩ! ብዙሓት ናይ ሎሚ ፍልስጤማውያን ወይ ናይ ቀረባ፣ ኣቦታቶም ድሮ ንብረቶም ሓዲጎም ካብ ክፋላት ቅድስቲ መሬት ክስደዱ ተገዲዶም ከምዝነበሩ የዘኻኽሩ።
“ፍልስጥኤማውያን ጸገም እዮም ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን . . . ሰባት እዮም። ደቂ ሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ንዓኣቶም፡ ከም ሰብ ዘለዎም ክብረት ብዘኽብር መንገዲ ነቲ ጸገም ክንፈትሕ ምፍታን ይግባእ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ዘሕለፍዎ ዓቢ ስቓይን መዓልቲ መዓልቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መከራን ክንርዳእ ኣሎና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ክልተ ሃገራት ዝብል መፍትሒ
ቅድስቲ መንበር፡ ሓንቲ እስራኤላዊት ሓንቲ ፍልስጤማዊት፣ ኽልተ ሃገራት ዝብል መፍትሒ ሎሚ እውን ተቕርብ፣ . . . እዚ ድማ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ እተቕርቦ ጻውዒት እዩ። ስለዚ ድማ ቅድሚ “እዚ ኣዝዩ ናይ ቀረባን ዘስካሕክሕን ግጭት፣ ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ [2023] ስዒቡ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ፍጻመታት” እውን እንተኾነ፣ ቅድስቲ መንበር ነዚ መትከል ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዓለም ደጊፋቶን ኣቕሪባቶም እውን እያ፣ ብዙሓት ካልኦት ነዚ ፍታሕ እዚ ክነጽግዎ ከለዉ፣ ቅድስቲ መንበር ግን ብኣጽዖት ኣቕሪባቶ እያ፣ ተቕርቦ እውን ኣላ፣ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
"እስራኤል ንምዕራባዊ ገምገም እንተድኣ ተቖጻጺራቶ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክልተ መንግስትታት ኣብ ዝብል ፍታሕ ምብጻሕ ዝብል ተስፋ ንምርድኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸው፣” ቤተ-ክርስትያን ነቲ "ምሉእ ውግእ ደው ንምባል" ዝግበር ጻዕሪ ትድግፍ፣ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑን . . . ዕቝባ ሰላማውያን ሰባትን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ምሉእ ኣኽብሮትን . . . ዳግመ ህንጸት ቓዛ . . . ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ዝነበረ ዅነታት ንምቕናዕን ንህዝቢ ፍልስጥኤም ምኽባርን ዝግበር ጻዕሪ" ትድግፍን ተተባብዕን ምዃና ኣቢርሆም፣
ደሓር ከኣ፡ “ምፍታሕ ሕቶ ፍልስጤም፣ ኣብ ሕመረት ብዙሓት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ጸገማት፡ ሶርያ ይኹን ሊባኖስ ይኹን ኣብ ካልእ ክፋል ናይቲ ዞባ ማእከል ምዃኑ ንኣምን - ቢሎም - ንናይ ፍልስጥኤም ሕቶ መልሲም ብኻልይ መገዲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርኣዩ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኵላዊ ጓሳ
ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ር.ሊ.ጳ. ዘለዎም ኣመለኻኽታን ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ቓዛን ጓሳኡን ተኸታታሊ ብስልኪ ዘካይድዎ ርክብን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ካብ ገለ መራሕቲ እስራኤላውያንን ኣይሁዳውያንን ዝቐርብ ነቐፌታ እንታይ ክትብሉ ትኽእሉ ዝብል ንዝቕረበሎም ሕቶ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር እንክምልሱ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ወትሩ “ንናይ ክልቲኡ በቲ ናይዚ ዘስካሕክሕ ግጭት ንዝሳቐ ክበጽሑ እዮም ዝጽዕሩ . . . ኣብ ስቓይ ንዘሎ ኵሉ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
“ሓቂ’ዩ፡ ምሸት ምሸት ናብ ሰበኻ ቓዛ ብቐጻሊ እዮም ስልኪ ዝድውሉ፣ ምስቶም ኣብ ቓዛ ዘለዉ ቆሞስ ክራኸቡን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ሓበሬታ ክረኽቡን እዮ ዝጽዕሩ . . . እዚ ድማ ብዙሕ ኣመስጊንዎም እዮ . . . ንብዙሓት ስድራቤት ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን እውን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም እዮም። ናብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም፣ ናብ ካቶሊካውያን ማእከላይ ምብራቕ እውን ከምኡ፣ “ንኹሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ጓሳ ክኾኑ እዮም ዝፍትኑ” ኣንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜናቭ ኣቲካን ኣፍሊጡ።