MAP

ሓዋርያዊ ዑደት ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሃንጋ ሓዋርያዊ ዑደት ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሃንጋ  (ANSA)

ሓዋርያዊ ዑደት ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሃንጋ

ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ቅድስቲ መንበር ካብ 1930 ክሳብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣይሁዳውያን ካብ መዳጎን ሰፈር ናዚ ንምድሓን ብዝገበርዎ ጻዕሪ ናይ ዝፍለጡ ሊቀ ጳጳሳት ኣንጀሎ ሮታ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ምኽንያት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከመርሑን ኣብቲ ነዚ ፍጻሜ ዘማእከለ መደባት ንኽሳተፉ ናብ ሃገሪ ከም ዝገሹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ዕለት 30 መጋቢት ዝዛዘም ዑደት፣ ዕለት 27 መጋቢት ከም ዝጀመሩን፣ ኣብዚ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ 1930 ክሳብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ነፍስሄር ሊቀ ጳጳሳት ኣንጀሎ ሮታ ዝዓረፍሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን በዚ ዝኽሪ ምኽንያት ኣብ ዝተዳለዉ መንፈሳውያን ባህላውን መደባት ክሓብሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ሊቀ ጳጳሳ ጋላገር ኣብ ሃንጋሪ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ቀዳማይ ዓርቢ ዕለት 28 መጋቢት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ንግድን ሃንጋሪ ፔተር ስዚጃርቶ ከም ተራኸቡን፣ ስዒቡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ልኡካነ መንግስታት ሃንጋ ተራኺቦም መደረ ከምስዑን፡ ካብ 1930 ክሳብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ነፍስሄር ሊቀ ጳጳሳት ኣንጀሎ ሮታ ዝዓረፍሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑን ብተወሳኺ ምስ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሜጥሮጶሊታ ብፁዕ ካርዲናል ፔተር ኤርዶ፣ ምስ ናይ ሃንጋሪ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ኣንድራስ ቨረስ፣ ክራኸቡ እዮም። ሰንበት 29 መጋቢት ኣብ ፓኖንሃልማ ዝርከብ ገዳም በነዲክቶስ ቅዱስ ማርቲንን ክበጽሑን ምስ ንተማሃሮ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ቤንሴስ ክራኸቡን  ኣብ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 መጋቢት ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

28 Mar 2025, 15:07