MAP

2025.03.30 ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ምሕረት ኣምላኽ ንሕይወትና ይሕድስ 2025.03.30 ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ምሕረት ኣምላኽ ንሕይወትና ይሕድስ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ምሕረት ኣምላኽ ንሕይወትና ይሕድስ

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዳግማውይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ዕለት 30 መጋቢት ንመዓልቲ ኢዮቤል ልኡካን ምሕረት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 15. 1 – 3፣ 11 – 32 ዝተወስደ ብዛዕባ ጥፉእ ወዲ ዝዛረብ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኩይዞም፣ "ካብ ቤት ኣቦ ወጻኢ ክጸንሕ ዝኽእል ሰብ የሎን፣ ነፍሲ ወከፍና ድማ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳብ ክደይ ዓብይን ደረት ኣልቦን ምዃኑ ከነስተውዕል ዝሕግዝ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምሳሌ ናይቲ ናብ ገዝኡ ዝምለስ ጥፉእ ወዲ፣ "ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብኢየሱስ ዝተገልጸ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ደረት ኣልቦ ምዃኑ ክንፈልጥን ብዕምቆት ንኸነስትውዕሎን ዝድርኽ እዩ፣ . . . እታ ፍቕሪ ካብቲ ንሕና ዘሎናን እንግምቶን ፍቕሪ ዝተፈልየት እያ፣ ጸጋ ምሕረትን ዕርቅን ከቐርበና ኣብ ዝደለየሉ እዋን፣ ናብ ዕምቆት ምስጢሩ ክንኣቱ፣ ኣብ ውሽጥና ክንቅበሎ ይግባእ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውድቀት ናይቲ ካብ ኣቦ ዝርሕቕ ወዲ

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ኣብቲ ካብ ወንጌል ሉቃስ ዝተነበ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ፣ ኢየሱስ "ንፍቕርን ምሕረትን ኣቦ" ድምጺ ንምሃብ፣” ዝጥቀመሉ ኣገባብ ኪኖ ሰብኣውነት ዝኾነ ቃላትን ባህርያትን ከም ዘይጥቀም የነጽር” ቢሎም . . . ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣሕዋትን ዘራኽበና ናይ ሓባር ባህርያት ከነለልይ ኣተባቢዖም፣ ከምቲ ቀዳማይ ወዲ "ይንዋሕ ይሕጸር ኩላትና ውርሻና ንሓትት . . . ናጻ ክንከውን፡ ርእስና ክንቆጻጸር፡ ንህላወና ክንቆጻጸር" ንደሊ፡ ሳዕቤን ድማ ውድቀት ይኸውን . . . ካብ ኣምላኽን ቤቱን ቤተ ክርስቲያንን ክንርሕቕ ዝገብረና መገዲ ምስ እንመርጽ፣ ዘይጠቅም ነገራት ክንገብር፣ ከንቱ ሓሳባት ክህልወና ካብ ምንጪ ፍቕሪ ርሒቕና ንስቓይ ዝመርሓና መገዲ ንስዕብ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓጢኣት ናይቲ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ሓው

እቲ ካልኣይ ወዲ፡ "ምስ ኩላትና ኣዝዩ ዝመሳሰል፣ ነቲ ናብ ቤት ዝተመልሰ ሓዉ፣ "ብሕርቃንን ቂምን" ምላሽ ከም ዝህብ ኣዘኻኺሮም፣ ልክዕ ከምኡ ንዓመታት ዝኣክል ብተኣማንነት ኣብ ዘገልገልናሉ እዋን ነቲ ዘይረብሕ ኣገልግሎት ካብ ኣምላኽ ናብ ዘርሕቕ መጋበርያ ክንቅይሮ ከም እንኽእል ኣጠንቂቖም፣ ካብቲ ኣቦ "ወደየ ንስኻ ዅሉ ሳዕ ምሳይ ኢኻ፣ ናተይ ዘበለ ዅሉ ድማ ናትካ እዩ" ኢሉ ዝሃቦ መልሲ፣ "'ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዘለዎ ምልኣት ንኸይነስተውዕል ዝገብር ሓጢትና የመላኽት . . . ብዙሕ ግዜ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዘለዎ ምልኣትን ዕረፍትን ኣይንርድኦን ኢና . . .

ምስ ኣቦ ናይ ምዃን ጸጋ ምስትውዓል

"ኣገልግሎትና ልማድ ምስ ዝኸውን ኩሉ ነገር ርኡይን ተደጋጋምን ይኸውን፣ እዚ ድማ ምስኡ ዘሎና ናይ ሕብረት ስምዒት" ከይነስተማቕር ይገብረና፣ መዓልታዊ ምስኡ ክንከውን ዝወሃበና ጸጋ እንተንፈልጥ፣ ህላወ ክህነት ንጹር መግለጺ ፍቕሪ ኣቦ ምዃኑ ምተሰቖረና ነይሩ። ስለዚ ምስ ኣምላኽ ኩሉ ክንካፈል ምስ ኣምላኽ ክንጸንዕ ኢና ዝተጸዋዕና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስቲ ገና ኣብ ርሑቕ እንከሎ ንኽራክቦ ዝወጽእ ኣቦ

ናይ ዕለቱ ወንጌል፣ "ኣቦነታዊ ስምዒታት ክንሓቑፍን፣ ካብቲ ክህልው ዝኽእል ርሕቐት ኪኖ ክንጥምትን ህላወ ናይቶም ርሑቕ ዘለዉ ብቕልጡፍ ከነስተብህልን ከነቕርብን” ዝጽውዕ ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ "ልብናን ኣእምሮናን ክንከፍት፡ ርሑቕን ቀረባን ዘሎን ክንቅበልን፣ ብቕጽበት ድማ ነቲ ንኻልእ ከም ጓና ንኽንጥምት ዝድርኸና ሓሳባትን ባህርያትን ከነወግድ ይግባእ” ቢሎም . . . ከምኡ'ውን ከምቲ ኣቦ "ንወዱ ክራኸብ ዝጎዪ፣ ካህን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝሰርዓሉ ስፍራ ኮፍ ኢሉ ዝጽበ ጥራሕ ክኸውን የብሉን . . .  እቲ ናብኡ ዝመጽእ ገና ኣብ ርሑቕ እንከሎ ንኽራኸቦ ክጎዪ ኣለዎ። እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ውላድ ኣቡኡ ዝቐርበሉ ሕቑፊ፣ "ፍቕሪ ንሓጢኣት ከመይ ጌራ ከም እትስዕር፡ ይቕሬታ ድማ ብቐጥታ ናብ መጻኢ ክንጥምት ከም ዝገብረና" ዘነጽር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ቤት ኣቦ ወጻኢ ክጸንሕ ዝኽእል ሰብ የለን

ኣቦ ነቲ ካብኡ ዘይተፈለየ ወዱ ዘርእዮ ትዕግስቲ፣ ኣቦ ዘይገንሕ ዘይኮነስ ኣዝዩ ዝዓበየ ጠለባት ከም ዝሓትትን "ፍቕሪ ህይወት ከም ዝቕይርን፤ ይቕሬታ ሓድሽ ህይወት ከም ዝመልስን፤ ምክፋል ፍረ ናይቲ ዝተዋህበና ልግሲ ምዃኑ" ዘነጽርን እዩ . . . ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፣ “ክልቲኦም ኣሕዋት ምዃኖም ኣስተውዒሎም ዳግማይ ብሓባር ናብ ቤት ኣቦ ይኣትዉ . . . ዝኾነ ሰብ "ካብ ቤት ኣቦ ወጻኢ" ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ፡ ምኽንያቱ ካብ ቤት ኣቦ ምርሓቕ "ትርጉም ናብ ዘይብሉ ህይወት" እዩ ዝመርሕ፣ ብሙሉእን ፍጹምን ዕርቂ ነፍሲ ወከፍ ሓው ከም ወላድ መንነቱ ዳግማይ ክረክብ ናብ ቤት ኣቦ ይምለስ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልኡካን ምሕረት፡ ፍሉያት መጋበርያ ዕርቂ

ንልኡካን ምሕረት "ፍሉያት መጋበርያ ዕርቂ" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ገሊጾም፣ ከምቲ ኢየሱስ በዚ ምሳሌ እዚ ዝገብሮ፡ "ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ . . . ካብዚ ሓሊፉ ቅዱስ ቁርባን "ምንጭን ፈልፋልን ምሕረት" ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ሓቀይናን ምሉእን ዕርቂ እንረኽበሉ ምስጢር እዩ፣ ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ኣገልግሎት ዕርቂ፣ "ምስጢር እምነትና ምሉእ ብምሉእ ንምግላጽ ቅዱስ ቁርባን ምዃን - ገዝእ ርእስኻ ምውፋይ ይሓትት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ፥ ምሕረት ኣምላኽ ንሕይወትና ይሕድስ
31 Mar 2025, 15:37