ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ልኡካነ መንግስታት ምእንቲ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ቅዳሴ የዳልዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ዘዳለውዎ መደብ ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ በዓቲ ኣብ ዘሎ ታሪኻዊ ቤተ ጸሎት ሃንጋሪ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 27 መጋቢት ሰዓት 10 ንግሆ በቶም ተወላዲ ጋና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠት ዋና ሓላፊ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ዝስራዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ልኡካነ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ፍጻመ ኣብ ዘፍለጡሉ መግለጺ፣ ልኡካነ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድስቲ መንበር፣ “ምእንቲ ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ጸሎትን መንፈሳዊ ቅርበት ንምርግጋጽን ንር.ሊ.ጳ ዘለዎም “ፍቕርን ኣኽብሮትን” ንኽምስክሩ ዘዳለውዎ መንፈሳዊ መደብ ምዃኑ ሓቢሮም፡ “ስልጣናዊ ትምህርቶም ከም ዝስዕቡን መልእኽቲ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ንምስፋሕን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ከሐድሱን” ዳግማይ ቃል ንምእታው እውን ዝሃቀነ ምዃኑ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ካልእ ምእንቲ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ቆጵሮስን ፖላንድን ሊትዋንያን ልኡካነ መንግስታት ከም እተዳለወን እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 27 መጋቢት ሰዓት 18፡00 ሮማ ኣብ ዝርከብ ደብረ ቅዱስ ስመ ኢየሱስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም ዝዓረግ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።