MAP

ንወለንተይናታት ዝተወፈየ መዓልተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንወለንተይናታት ዝተወፈየ መዓልተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.  (AFP or licensors)

ንወለንተይናታት ዝተወፈየ መዓልተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.

ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ፣ ሓምሻይ ዓቢ መደብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፣ ካብ ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝመጻ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ወለንተይናታት ትካላትን ዘራኽብ መርሓ ግብሪ ክካየድ እዩ። ሰንበት ድሕሪ ብባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቕዱስ ኣፍደገ ንምሕላፍ ዝግበር ንግደት፣ እቶም ነጋድያን ተስፋ ኣብ መላእ ከተማ ብተኸታታሊ ዝተፈላለዩ መደባት ዘተን ዓውደ ኣኼባታትን ክካየድ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ወለንታውነት ዝውፈ ሓሙሻይ ዓብይ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ መደብ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 25 ሽሕ ነጋድያን ካብ ዕለት 8 - 9 መጋቢት ኣብ ሮማ ክእከቡ እዮም። ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት ናይ ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ነጋድያን ዘሳትፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ እዮም።

ኣኼባታትን ተበግሶታትን

ቀዳም ዕለት 8 መጋቢት ካብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ማሕበራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ወለንተይናታት ማሕበራትን ዝውክሉ ነጋድያን ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳዕ ሰዓት 17፡00 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቕዱስ ኣፍደገ ክሓልፉን ኣብ ዝተመደባ ባዚሊካታት ሮማ ኣብ ዝስራዕ ስርዓት ምስጢረ ዕርቂ ክሳተፉ እዮም።

ካብ ሰዓት 15፡00 ክሳብ ሰዓት 18፡00፣ ኣብ መላእ ሮማ ኣብ ዝተፈላለየ ቅርዓት ባህላውን፣ ስነ-ጥበባውን መንፈሳውን ርክባት ክካየድ እዩ።

ብካርዲናል ችዘርኒ ዝቐርብ መስዋዕተ ቅዳሴ

ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት ሰዓት 10፡30 ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ነቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ወኪሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም 25 ሺሕ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ትካላት ወለንተይናታትን ነጋዲያን ተስፋ ዘሳተፈ መስዋዐ ቅዳሴ ከዕርጉን ቅዱሰንቶም ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ከስምዑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Mar 2025, 15:19