ንወለንተይናታት ዝተወፈየ መዓልተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ወለንታውነት ዝውፈ ሓሙሻይ ዓብይ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ መደብ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 25 ሽሕ ነጋድያን ካብ ዕለት 8 - 9 መጋቢት ኣብ ሮማ ክእከቡ እዮም። ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት ናይ ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ነጋድያን ዘሳትፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ እዮም።
ኣኼባታትን ተበግሶታትን
ቀዳም ዕለት 8 መጋቢት ካብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ማሕበራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ወለንተይናታት ማሕበራትን ዝውክሉ ነጋድያን ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳዕ ሰዓት 17፡00 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብቕዱስ ኣፍደገ ክሓልፉን ኣብ ዝተመደባ ባዚሊካታት ሮማ ኣብ ዝስራዕ ስርዓት ምስጢረ ዕርቂ ክሳተፉ እዮም።
ካብ ሰዓት 15፡00 ክሳብ ሰዓት 18፡00፣ ኣብ መላእ ሮማ ኣብ ዝተፈላለየ ቅርዓት ባህላውን፣ ስነ-ጥበባውን መንፈሳውን ርክባት ክካየድ እዩ።
ብካርዲናል ችዘርኒ ዝቐርብ መስዋዕተ ቅዳሴ
ሰንበት ዕለት 9 መጋቢት ሰዓት 10፡30 ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ነቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ወኪሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም 25 ሺሕ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ትካላት ወለንተይናታትን ነጋዲያን ተስፋ ዘሳተፈ መስዋዐ ቅዳሴ ከዕርጉን ቅዱሰንቶም ዘሰናደውዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ከስምዑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።