MAP

ቫቲካንን መንበረ ጥበብ ኮሉምቢያን ጉዳያት ናይ ወጻኢ ዕዳ ዝከታተል ሽማግለ የቑማ ቫቲካንን መንበረ ጥበብ ኮሉምቢያን ጉዳያት ናይ ወጻኢ ዕዳ ዝከታተል ሽማግለ የቑማ  (AFP or licensors)

ቫቲካንን መንበረ ጥበብ ኮሉምቢያን ጉዳያት ናይ ወጻኢ ዕዳ ዝከታተል ሽማግለ የቑማ

ኣብ መንጎ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ - ፍልጠት (PASS)ን ናይ ኮሎምብያ መንበረ ጥበብ ተበግሶታት ዘተ ንናይ መድሕን ውዕላትን ነባሪ ቝጠባውን ማሕበራውን ኣከባብያውን ዕቤት ንምርግጋጽ ዘኽእል ተሓድሶን ፍታሕን ንምድላው ዝሰርሕ ናይ ዘተ ሽማግለ ክቐውም ሓባራዊ ተበግሶ ከም ዘንቀሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ለበዳ ኮቪድ - 19ን ኲናት ዩክሬንን ኣብ ቁጠባ ዓለም ርኡይ ስንባደ ዘስዓበ ክኸውን እንከሎ፡ ምዕቡላት ሃገራት ዝወሰድኦ ቍጠባዊ ውዕል ጉዳያት ልቓሕ፡ ልዑል መጠን ወለድ ዘለዎ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ቅልውላው ዕዳ ዘጋድድ" ምዃኑ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን መንበረ ጥበብ ኮሎምቢያ ተበግሶታት ዘተ ንናይ መድህን ውላትን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ከም እተሓበረን፣ እቲ ናይ ሓባር ናይ መግለጺ ሰነድ፣ ነተን ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ዝያዳ ዝጸሉን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታት ዕዳን ልምዓትን ንምፍታሕ፡ ዝዓዪ ሽማግለ ክኢላታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2025 ዓ.ም. ክቐውም ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ እቲ ብፕሮፈሰር ጆሰፍ ስቲግሊትዝ ዝምራሕ ሽማግለ፣ ብዛዕባ ኢዮቤል ዝምልከት ፍሉዩ ጸብጻብ ከዳሉ ምዃኑ የመላኽት።

እቲ ሽማግለ ካብ ምሁራት፣ በርገሳውያን ማሕበራትን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ዓለምለኻዊ ክኢላታት ዝተዋጽኡ ኣካላት ዝሓቆፉ ልኡላዊ ዕዳ ዘጠቓለለ እዩ። ዕላምኡ ድማ ዘላቒ ዘይኮነ ኩነታት ዕዳ ንምፍታሕን ኣብ መጻኢ ቅልውላው ንምክልኻልን ዝሕግዙ ጽገናታት ምምዕባልን ምሕሳብን ዘላቒ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ከባብያውን ልምዓት ምዕባይ ዝብል ኮይኑ፣ ብተወሳኺ እቲ ሽማግለ፡ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ዝያዳ ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ጽሩይ ጸዓትን ከባቢያው ዓየርን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዝዓበየ ወፍሪ ንኽገብራ ዘኽለን ዕድል ንምቕራብ፣ ውጥን ጽገና ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ስርዓት ከቕርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውርሻ ዕዳ ንምፍዋስ ዘድሊ ጻዕርታት

እቲ መግለጺ ኣብ እዋን ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. እተን ኣዝየን ተቓላዕቲ ሃገራት ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ንኽስረዝ ዝጣበቕ ምንቅስቓስ ክቕልቀል ከም ዝገበረን፣ እዚ ድማ ርኡይ ምሕረት ዕዳ ከምዘስዓበን ዝዝከር ኮይኑ። እንተኾነ ግን እቲ ተበግሶ ኣብ ዓለማዊ ገንዘባዊ ስርዓት ኣድላዪ ጽገናታት ክግበር ከም ዘይየኽኣለን፣ እዚ ድማ ቅልውላው ዕዳ ክሳብ ሕጂ ክቕጽል ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ሓቢሩ፣ እተን ዝደኸያ ሃገራት ንኣገልግሎት ክፍሊት ዕዳ ዘውዕልኦ ገንዘብ ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ከምኡውን ደረጃ መነባብሮ ንምምሕያሽ ወይ ንጸገማት ከባቢያዊ ኣየር ንምፍታሕ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዚወጽእ ገንዘብ ብምዃኑ፣ ቅልውላው ዕዳ ቅልውላው ልምዓትን እውን እዩ ዝኸውን።

ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ነዚ ፍትሒ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ እንደገና ንምጅማር ኣጋጣሚ ክኸውን እንከሎ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ሕጂ ዘሎ ገንዘባዊ ስርዓት ነዚ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ብቑዕ ከም ዘይኰነን ህጹጽ ዓለምለኻዊ ተሓድሶ ኸም ዜድልዮን ብምግንዛብ፣ ዕዳ ክንክይ ወይ ክስረዝ ዝብል ፍቓድ ሓደ ኻብቶም ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ጉዳያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ቀንዲ ገይረምዎ ኣለዉ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. ኣብቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ዓለም ሓቆፍ ተበግሶ ዘተ ውዕላትን ብሓባር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ልኡላዊ ዕዳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዳግመ ውደባ ዕዳ ዝምልከት ኣህጉራዊ ኣገባብ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ መራሕቲ ገንዘባዊ ጉዳያት "ፍትሓዊ ዘተ ንምርግጋጽ ስነ - ምግባራዊ መለክዒታት ዘለዎ ኣህጉራዊ ስርዓተ - ምሕደራ ክቑሙ" ተማሕጺኖም እዮም። እቲ ዋዕላ ሓያሎ ብዛዕባ ገንዘባዊ ጉዳይ ዝምልከት ለበዋታት ኣፍርዩ እዩ። ንዓቐን ናይቲ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቶም ዝያዳ ፍትሓውን ቅኑዕን ሕብረተሰብ ክህሉ ንዝጽዕሩ መወከሲት ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ደረጃ ሽግር ዕዳ

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኽበ መረዳእታ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ዕዳ ክብረወሰን ዝሓዘ 1.4 ትሪልዮን ዶላር ከምዘውጽኣ ጸብጺቡ - እዚ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኣታዊታተን ዳርጋ 4% ዝውክል እዩ። ብመሰረት ዋዕላ ንግድን ልምዓትን ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD) 54 ሃገራት ካብ ግብሪ ዝረኽበኦ እቶተን ልዕሊ 10% ንወለድ ክፍሊት ዕዳ መሸፈኒ ዝጥቀማሉ ከም ዝኾና ኣመለኺቱ፣

• 3.3 ቢልዮን ሰባት ካብ ኣብ ክንክን ጥዕና ንላዕሊ ኣብ ኣገልግሎት ዕዳ ዝያዳ ወጻኢታት ኣብ ዝገብራ ሃገራት ይነብሩ።

• 2.1 ቢልዮን ሰባት ኣብተን ካብ ትምህርቲ ንላዕሊ ኣብ ኣገልግሎት ዕዳ ዝያዳ ወጻኢታት ኣብ ዝገብራ ሃገራት ይነብሩ።

ዓለማዊ ባንክ ከም ዝገለጾ እተን ትሑታትን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወንን ሃገራት ካብቲ ቕድሚ እቲ ለበዳ ኮቪድ - 19 ዝነበረ ዓሰርተ ዓመት ዝለዓለ መጠን ዕዳ የጋጥመን ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ወሳኒ ትሕተ - ቅርጺ፡ ጽሩይ ጸዓትን ከባቢያዊ ናይ ኣየር ለውጢ ንምብዳህን ወፍሪ ንምግባር ንዝግበር ጻዕሪ ዘተዓናቕፍ ምዃኑ ይሕብር።

22 Feb 2025, 17:03