ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ዋና ጸሓፍቲ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ሸይሞም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዕለት 13 ግንቦት 2023 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ መሰረታዊ ሕገ መንግስቲ ሃገረ ቫቲካንን ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ምሕደራ መንግስቲ ቫቲካን ዘመላኽቲ ብዕለት 25 ሕዳር 2018 ዝወጸ ሕጊ ቍ. 274 ገለ ምምሕያሻት ከም ዝገብሩ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ነዚ ለውጥታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ 1 መጋቢት 2025 ኣብ ሓፈሻዊ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ዘገልግሉ ክልተ ሰብ መዚ ሾሙ። ካብ ዕለት 1 መጋቢት 2025 ድማ ክብርቲ እናቴ ራፋየላ ፔትሪኒ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ኮይነን መዝነተን ክርከባ ኢየን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘሕለፍዎ ውሳኔ ንብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኤሚልዮ ናፓ ኣብዚ እዋን እዚ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳይት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር (ክፍሊ ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን) ከምኡውን ኣቦ መንበት ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮይኖም ከገልግሉ ንዝጸንሑን ከምኡ ውን ንኣኽባር ሕጊ ጁሰፔ ፑግሊሲ-ኣሊብራንዲ ክሳብ ሕጂ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ኰይኑ ከገልግል ንዝጸንሐን ሓደስቲ ክልተ ዋና ጸሓፍቲ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ኮይኖም ከገልግሉ መዘዝዎም።
ብተወሳኺውን እቲ ቅዱስ ኣቦና ንክብርቲ እናቴ ፔትሪኒ ከከም ኣድላይነቱ ነዞም ሓደስቲ ተሰየምቲ ዋና ጸሓፍቲ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ፍሉይ ሓላፍነታትን መዝነታትን ናይ ምሃብ ስልጣን ሂቦምወን ኣለዉ።