MAP

2023.05.11 Vaticano S. Pietro cupolone Petersdom Petersplatz 2023.05.11 Vaticano S. Pietro cupolone Petersdom Petersplatz 

ካርዲናል ፓሮሊን - ር.ሊ.ጳ ስልጣኖም ከረክቡ ኢዮም ዝብል 'መሰረት ዘይብሉ ግምታት' ኢዩ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ምስ ኮሪየረ ዴላ ሴራ ዝተሰምየ ናይ ኢጣልያ ዕለታ ዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት፣ እቲ ዘተሓሳስብ ጕዳያት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብዛዕባ ምሕዋዮምን ከምኡ ውን ናብ ቫቲካን ብዛዕባ ምምላሶምን ጥራይ ከም ምዃኑ ገለጹ። ብዘይካዚ እቲ ዝስማዕ ዘሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ስልጣኖም ክለቁ ከም ዝሓተቱ ዚገልጽ ዜና መሰረት ዘይብሉ ከም ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስታ ኮሪየረ ደላ ሰራ ዝተሰምየት ዕለታዊ ጋዜጣ ኢጣልያ ኣብ ዝገበርዎ ቃል-መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ከም ዝሓተቱ ዝብል ዘይተጻረየ ወረ መግለጺ እንክህቡ "እዚ ዅሉ መሰረት ዘይብሉ ግምታት ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ጥዕና ቅዱስ ኣቦን ኣብ ኩነታት ሕክምናኦምን፣ ናብ ቫቲካን ብኸመይ ከም ዝብለሱ ኣብ ዝብል ኢና ኣተኲርና ዘሎና፣ እዚ ጥራይ እዩ ዜገድስ ድማ" በሉ። ቅዱስ ኣቦና ብሰንኪ ዘጓነፎም ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ካብ ዕለት 14 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብቲ ኣብ ከረማ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ዘይተረጋገጸ ቤላበለው

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙርያ ቫቲካን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ናይ ሓሶት ወረታትን ግምታትን ኣብ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ህልው ኩነታ ምስ ተሓሩ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሩል ከምዚ ኢሉ ኣመልከቱ - "ሓቂ ይሓይሽ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ነገራት ኣይፈልጦን ኢየ፣ ዝዀነ ዀይኑ ድማ ካብዚ ኩሉ ኽርሕቕ ኢየ ዝጽዕር። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘይተረጋገጸ በላበለው ክዝርጋሕ ወይ ግጉይ ሓበሬታታት ክወሃብ ንቡር ኢዩ ዝመስለኒ፣ እዚ ግና ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። ይኹን እምበር ኣብዚ መዳይ እዚ ፍሉይ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ኣይኣምንን ኢየ፣ ክሳዕ ሕጂ ግን ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ሰሚዐ የሎኹን።"

ኣብዚ ቐረባ መዓልታ ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ቡርኪኖ ፋሶ ካብ ዘካየድዎ ምብጻሕ እተመልሱ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ሆስፒታል ክበጽሕዎም ከም ዝኽእሉ ንርእሰ ንቅዱስነቶም ሓበርዎም፣ ክሳዕ ሕጂ ግን "ኣድላዪ ኣይኰነን" ከም ዝበልዎም ውን ጠቐሱ።

ወሲኾም ድማ "ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ሕክምና ዝያዳ ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን፣ ብእተኻእለ መጠን ውሕስነት ክረኽቡ መታን ሒደት በጻሕቲ ጥራይ ክርእይዎም ይሓይሽ " በሉ። “እግዚአብሔር ይመስገን፣ ክሳብ ሕጂ እቲ ኻብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝረኸብናዮ ጸብጻባት ተስፋ ዝህብ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ድማ ይሓውዩ ኢዮም ዘለዉ። አረ ገለ ገለ ወግዓዊ ሰነዳት እውን ከይተረፈ ናብ ቅዱስነቶም ተላኢኹ ኢዩ፣ እዚ ማለት ድማ ለውጢ የርእዩ ኣለዉ ማለት ኢዩ።"

ዝኾነ ጸቕጢ ኣይኪህሉን እዩ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ምስታ ኣብ ኣርጀንቲና እትሕተም ላ ናስዮን እተሰምየት ዕለታዊት ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት "ካብ ገለ ገለ ጕጅለታት ንስልጣኖም ክለቁ ትርጉም ዘይብሉ ጸቕጢ ኽገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ነዚ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ገበርዎ፣ እዚ ግን እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝወስድዎ ስጉምቲ ምሉእ ምሉእ ነጻነት ዝሓትት ኢዩ እንተ ዘይኮይኑ ብቑዕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።"

ወሲኾም ድማ "እቲ ቅድሚ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ንምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኻይድ ሃዋህው ኣይርድኣንን እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተገብረ፣ ብዛዕባ ተካኢ ኪኸውን ዚኽእል ሰብ ዝተኻየደ ዘተ እውን ኣይርድኣንን እዩ፣ እዚ ድማ ካብ ንቡር ወጻኢ ኢዩ" በሉ። ወሲኾም ድማ "ንዓይ እቲ ዜገድሰኒ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሳላ እቲ ዝግበረሎም ዘሎ ሕክምና ጽቡቕ ለውቲ የርኢ ምህላዉ እዩ" ክብሉ ደምደሙ።

25 Feb 2025, 15:04