ክቡር ሓወልቲ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ሮማ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ ዝበልዎ፣ እቲ መበቆላዊ ሓወልቲ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዓ.ም. ካብቲ ኣብ ፖርቱጋል ካብ ዝርከብ መካነ ንግደ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ፣ ናብ ሮማ ክኣትውን ካብ ዕለት 11 – 12 ጥቅምቲ ድማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከቕመጥን ኣብ ፊት እቲ “ተስፋ ዘየሕፍር ምዃን” ዘረጋግጸልና ቅዱስ ሓወልቲ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ነጋድያን ተስፋ በማላድታ ክጽልዩን ከስተንትኑን ዕለት 12 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10፡30 ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምመናን ክቐርብ ምዃኑ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ዕለት 27 ለካቲት ዝሃብዎ መግለጺ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ እቲ ብዓለም ደረጃ ዝፍለጥን ፍልዩን ምልክት “ዘየሕፍር ተስፋን” ዝኾነ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክርከብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ሓወልቲ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ
“ህላወ እቲ ፍቱው መበቆላዊ ሓወልቲ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ንኹሉ ሰብ ቅርበት ቅድስት ድንግል ማርያም ከስተውዕል ዘኽእሎ ዓቢይ ዕድል እዩ” እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊሲከላ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ "ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ክርስትያን ካብቶም ኣገደስቲ ማርያማዊ ምልክታት ከም ዝኾነን፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝኣወጅሉ ሰነድ፣ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ፣ ‘ኣዝያ ፍቕርቲ፣ ደቃ ፈጺማ ንበይኖም ዘይትሓድግ’ ቢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘረጋግጽ ናይ ተስፋ ምልክት እዩ” ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ፋጢማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ጓሶት ተገሊጻ ‘ፈጺመ ኣይገድፈኩምን እየ፣ ንጹህ ልበይ መዕቆቢኹምን ናብ ኣምላኽ ዝመርሓኩም መገድን ክኸውን እዩ’” ከም ዝበለቶ፣ ሎሚ እውን ንዓና እዚ ሓቂ እዚ ተረጋግጸልና ከም ነጋድያን ተስፋ በማላድነታ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ክንጽሊ ተተባብዓና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ተስፋ ፈለስቲ
"እዚ ቅዱስ ሓወልቲ ካብ መበቆላዊ ስፍራኡ ዝኾነ መካነ ንግደት ኮቫ ዳ ኢርያ ዝወጽእ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ጥራይን ብሕቶን ውሳነን ር.ሊ.ጳ. ዝንቀሳቐስ ምዃኑ ናይቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ካርሎስ ካቤሲንሃስ፡ ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ሓቢሮም፣ "ኣብዚ ናይ ኢዮቤል ዘመን ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽንኩር እዋን እውን እንተኾነ ሓሴት ፋሲካ እያ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ እዚ ሓወልቲ ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ በቲ እቶም ኣብ 1917 ዓ.ም. ግልጸታ ዝተጸገዉ ሰለስተ ጓሶት ብዝሃብዎ ቃል መሰረት ኣብ 1920 ዓ.ም. ፖርቱጋላዊ ስነ - ጥበባይና ኾሴ ፈረራ ቴዲም ዝተሰርሐ ኮይኑ፥ ኣብ መከነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘፋጢማ ዝቕመጥ ምዃኑ ይሕብር።