MAP

ዓመታዊ ዝኽሪ ቅ. ተረዛ ዘካልኩታ ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክበዓል ተወሲኑ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅ. ተረዛ ዘካልኩታ ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክበዓል ተወሲኑ  

ዓመታዊ ዝኽሪ ቅ. ተረዛ ዘካልኩታ ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክበዓል ተወሲኑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 5 መስክረም እቲ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ እትዝከረሉ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሱ ቀዳማይ ምንባብን ንባብ ወንጌልን ዘለው በዓል ክኸውን ከም እተወሰነ ዕለት 11 ለካቲት ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኣርተር ሮቸ ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ፣ "መብራህቲ ተስፋ፣ ንእሽቶ ብቝመት ግን ከኣ ብፍቕሪ ዓባይን ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ከምኡውን ንዅሎም እቶም ኣብ ማሕጸን ኣደ እውን ከይተረፈ፣ እተጠንጠኑ እተደርበዩ እተናዕቁ ሰባት ክብርን ፍሉይ መሰልን ሓለፋ ናይ ዝብል ትሑት ኣገልግሎት ምስክር እያ” ቢሎም፥ ዓመትዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 5 መስክረም ተራ ዝኽሪ ምዃኑ ተሪፉ ክበዓልን ናይ ገዛእ ርእሱ ቀዳማይ ምንባብን ንባብ ወንጌልን ዘለው ክኸውን ኣብታ ዕለቲ እቲኣ ጸሎት ዘነግህን ሰዓታትን ዘሰርክን ንዝኽሪ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝውክል ክኽውን ከም እተወሰነ ብምምልካት፡ እዚ እውን ዓመትዊ ክብረ በዓላ ምስቲ ኣብ 1997 ዓ.ም. ዝዓረፈትሉ ዕለት ብምትሕሓዝ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

‘ምስክር ተስፋ’

ካርዲናል ሮቸ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ዕለት 4 መስከረም 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ንቅድስቲ ተረዛ ቅድስና ንምእዋጅ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ተልእኾኣን ኣገልግሎታን ሎሚ እውን ኣምላኽ ምስቶም ድኻታትን ትሑታትን ዝተናዕቁን ዘለዎ ቅርበት ዘረጋግጽ ሰናይ ምስክርነት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝኽካር፡ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ቀዳማይ ምንባብ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ጾም ዝዛረብ ካብ ነቢይ ኢሳያስ ዝውስደ ኮይኑ ዝንበብ ወንጌል፥ መንግስቲ ኣምላኽ ንንኣሽቱ ዝተገልጸ ምዃኑ ዝነግር ክፍሊ ከም ዝኸውን ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 Feb 2025, 16:39