ቅድስቲ መንበር፦ ውግእን ባህርያዊ ዕንወትን ንኣፍሪቃ ዝያዳ ተነቃፊት ይገብራ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቦርድ ኣመሓደርቲ ማሕበር ሳሀለ ሰሃራ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ዳካር ሰኔጋል መበል 43 ጠቕላሊ ጉባኤ የካይድ ኣሎ።
ነቶም ብድርቂ እተጠቕዑ ህዝቢ ሳህል ምድጋፍ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1980 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምብጻሕ ምክያዶም፣ ነቶም ኣብተን ትሽዓተ ሃገራት ሳሀለ ሰሃራ ዝርከቡ ብድርቂ እተጠቕዑ ህዝቢ ምስ ናይቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰባትን ብምትሕብባር ጭቡጥ ደገፍ ንምሃብ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ 1984 ዓ.ም. ተመስረተ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኢዩ። እቲ ንቡርኪና ፋሶ፡ ኬፕ ቨርደ፡ ጋምብያ፡ ጊኒ ቢሳው፡ ማሊ፡ ማውሪታንያ፡ ኒጀር፡ ሰኔጋል ከምኡ ውን ቻድ ዘጠቓልል ዞባ ሳሀለ ሰሃራ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ድኻ ዞባ ኢዩ።
እቲ ምምሕዳሩ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብሕድሪ እተዋህቦን ከምኡ ውን ሓደ ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓሊ ላእለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኰይኑ ንምድረ - በዳነት ኣብ ምቅላስን፣ ንግዳያት ድርቂ ኣብ ምሕጋዝን ከምኡ ውን ኣብ ኣከባብያዊ ዕቝባን ሕርሻን ዕቃበ ማይን ከምኡውን ኣብ ምምሕባል ጸዓት ኣብ ዝካየድ ውጥናት ብምድጋፍ ቀጻሊ ዕቤት ኣብ ምድንፋዕ ዝጽዕር ዘሎ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኢዩ።
ሓደ ኻብቲ ኣገዳሲ መዳይ ዕማሙ ድማ ንማሕበረሰቦም ብውጽኢታዊ መገዲ ኣበርክቶ ኺገብሩ ዚኽእሉ ኽኢላታት ስብ ሞያን ኣብ ምስልጣን ዝሰርሕ ዘሎ እዩ ። እተፈላለየ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ዚጠቅም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ከም ዚህሉ እውን እዩ ዝገብር ማሕበር ኢዩ።
ንኣፍሪቃ ተነቃፊ ዝገበራ ዘሎ ዕትቃዊ ግጭታትን ባህርያዊ ዕንወትን
እቲ ካብ ዕለት 17-21 ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ዳካር እተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ ዕጥቃቂ ግጭታትን፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ከምኡ ውን ባህርያዊ ዕንወትን ዝኣመሰለ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታት እኳ እንተ ሃለወ፣ እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣብ ዞባ ሳህለ ሰሃራ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ብኸመይ ከም ዝድግፍን ከም ዘደንፍዕን ሰፊሕ ዋዕላ የካይድ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ዝኾኑ የኔታ ሮበርቶ ካምፒሲ ዝሓብዎ መግለጺ፣ ነዚ ዞባ እዚ ዝያዳ ተነቃፊ ዝገብሮ ዘሎ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው ተልእኾኡ ብውጽኢታዊ መገዲ ክፍጽም እንተድኣ ዀይኑ፣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘውጽእዎ መምርሒታት ተመርኲሱ ተበግሶታቱ ምግባር ክቕጽል ኣለዎ።
እዞም ምክትል ዋና ሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ሊቀ-ጳጳሳት ዳካር ብፁዕ ኣቡነ ቤንጃሚን ኒዳየ ነቲ ኣኼባ ንምእንጋድ ስለዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስገንዎም፣ ኣብ መንጎ እቶም ኣመሓደርቲ እዚ ትካል ሕድሪ እተዋህቦም ኣቡናት ከኣ "ምልክት ኣቃልቦ ኣሕዋትን" ከምኡውን "ነቲ ሕብረት ሓያል ምስክርነት" ብምባል ገለጽዎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንችስኮ ነዚ ተልእኾ እዚ ብቐጻሊ ኸም ዝድግፍዎ ድማ ኣረጋገጹሎም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ብውሽጣዊ ለውጢ ዘካየዱሉ ናይ ኩርያ ሮማና ተሓድሶ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ብምስዓብ፣ እዚ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ዚቈጻጸር ሓድሽ መምርሒታት ንምስትንታን ከም ኣጋጣሚ ዀይኑ ኸም ዜገልግል ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።
ንድኽነት ምቅላስን ግጭታት ንምውጋድ ምዕባለ ምድንፋዕን
ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ እውን ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ እተኻየደ ጉባኤ፣ ነቲ ኣብ ዞባ ሳህለ ሰሃራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ዜምጽኦ ዘይፍትሓዊ ተግባራት መፍትሒ ክርከበሉ ከም ዘለዎ ውን ኣመልከታ።
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንችስኮ ብምስምማዕ ድማ ንድኽነት ንምቅላስ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ንምድንፋዕ ከምኡ ውን ሰላማዊ ህላወ ንምምጻእ ብሓባር ጻዕሪ ኽገብሩ ተማሕጸና። ኣብቲ ዘመሓላለፋኦ መልእኽቲ እዚ ማሕበር ምትሕግጋዝ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣዊ ኽብርን ማሕበራዊ ስኒትን ዘደንፍዕ ነባሪ ፍታሕ ክደሊ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣስመራሉ።
ክብርቲ እናቴ ስመሪሊ ኣስዒበን ዝሓሸት ኣፍሪቃ ንምህናጽ ብዛዕባ ዝገብርዎ ዘልዉ ቐጻሊ ተበግሶታት ድማ ዘለወን ምስጋና ኣቕረባሎም።
እናቴ ስመሪሊ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንምሕዳስ ዝገበርዎ ሓድሽ ተበግሶታት ብምስትንታን ድማ፣ እቲ እተገብረ ተበግሶታት "ነቲ ኣድማሳዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ፍትሕን ሓድነትን ድንጋጽን ዘንጸባርቕ ከምኡ ውን ሰላምን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ንምርካብ ብምዕያይ ኣብ ሳህለ ሰሃራ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ከም ዝህሉ ዝገብር ለውጢ ዘምጽእ" ክኸውን ዘለወን ተስፋ ኣመልከታ።