ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤውሮጳ ጸረ - ሴማውነት ንምግታእ ሓላፍነት ክውሰድ ትጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጸረ - ሴማውነት ኣብ ኤውሮጳ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዓሚቝ ታሪኻዊ ሱር ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ፣ ንማሕበረሰባት ኣይሁድ ዘይተኣደነ ስቓይ ከም ዘስዓበን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ፣ ኣብ ውድብ ድሕንነትን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ወኪሎም ዝተሳተፉ ኣብ ደንማርክን ኖርወይን ሽወደንን ናይ ቅድስቲ መንበር ስክፍታታት ገሊጾም፣ ኣብ መንጎ እዚ ስኽፍታት እዚ ትምህርቲ፣ ንቕሓት፣ ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ዕደ ጥበብ፣ ሎሚ’ውን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ዘሎ ስግኣት ጸረ - ሴማውነት ንምጥፋእ ዝሕግዙ ቀንዲ ባእታታት ምዃኖም ይሕብሩ።
ትምህርትን ንቕሓት ምህዞን
ኣባ ዶመኒኮ ቪቶሎ ዋና ጸሓፊ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገራት ደንማርክን ኖርወይን ሽወደንን፣ ውድብ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ኤውሮጳ (OSCE) ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ነቲ ጸገም ብጥንቃቐ ምግምጋምን ንማሕበረሰባት ኣይሁድ ናይ ምኽባር ስምዒት ብትምህርቲ እንተዘይማዕቢሉ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጸረ - ሴማውነት ኣድማዒ ጻዕርታት ክህሉ ከምዘይክእል ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ኣመለኻኽታ ይግለጹ።
"ጸረ-ሴማውነትን ኣድልዎን ብኣድማዒን ብዘላቕነትን ክትቃለሶ ዘይክእል ብግቡእ ትምህርታዊ ኣገባብ ጥራይ እዩ፣” ቢሎም። “ድንቁርና ጽልእን ቅድመ ፍርድን ኣብ ሕብረተሰባትና ጸረ-ሴማውነት ንኽህሉ ኣበርክቶ ዘለዎም . . . ትምህርቲ ሕብረተሰብናን ብፍላይ ድማ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ሰብኣዊ ክብሪ ኩሎም ሰባት ናይ ምሕላው ሓባራዊ ሓላፍነት ብምግንዛብ ትምህርቲ ኣንጻሮም ዕርዲ ክሃንጽ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
ሓላፍነት ናይ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ
ኣብዚ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ርክባትን፡ ጸረ-ሴማውያን ትሕዝቶታት ሓዊሱ ጽልኢ ዝመልኦ ቃላት ብቕልጡፍን መብዛሕትኡ ግዜ ስሞም ከይተገልጸ ይዝርጋሕ።
ቅድስቲ መንበር ውልቀሰባትን ትካላትን መንግስታትን ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ መድረኻት ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ንምርግጋጽ ንጡፍ ስጉምትታት ክወስዱ ከምዘለዎም ከም እተተሓሳስብ ገሊጾም፣
“ጸረ-ሴማውያን መግለጺታት ቅድሚ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘመን ዝነበረን፣ ሰፊሕ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበባትን ግን መሰረታዊ ለውጢ ክህሉ ከም ዝገበረ ድማ ሓቢሮም፣ “ብሓቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርብ ጸረ - ሴማውያን ትሕዝቶታት ዓለማዊ ተዓዛቢ ስለዘለዎ፣ ብቐሊሉ ክሰፍሕን ህዋስ ክኸውን ከም ዝኽልን እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ጸገም ናይ ምስዓብ ሓይሊ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
"እደ ጥበብ ንኽብሪ ወዲ ሰብ ካብ ምጉዳእ ንላዕሊ ክሕሉ፡ ኣብ ክንዲ ዓመጽ ሰላም ከዕቢ፡ ሕብረተሰብ ነዞም ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ንጡፋት ስጉምትታት ክወስድ፣ ክብሪ ሰብ ኣብ ምሕላውን እወንታዊ ክብርታት ኣብ ምምዕባልን ትኹረት ክገብር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት
ኣብ መደምደምታ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ መርበብ ሓበሬታ እውን እንተኾነ ሰባት ከምቲ ኣብ ጭቡጥ ዓለም ዘሎ መሰልን ሓለዋን ይግብኦም . . ተሓታትነትን ሓላፍነትን ግን ወትሩ ክህሉ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፣ እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዓመታዊ ዋዕላ፡ OSCE - ውድብ ድሕንነትን ምትሕብባርን ኣውሮጳ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ትካላትን ኣይሁድ ዝፍጸም ዘይምጽውዋርን ኣድልዎን ንምምካት ኣብ ዝኽተልዎ ኩለንተናዊ ኣገባብ ዘተኮረ ምንባሩ የዘኻኽር።