MAP

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ወሳኒ ጉዳያት የዘኻኽሩ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ወሳኒ ጉዳያት የዘኻኽሩ  (ANSA)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ወሳኒ ጉዳያት የዘኻኽሩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መበል 58 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀነቭ ከም እተሳተፉን መደረ እውን ዘስምዑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ተረኺቦም፣ ፍርዲ ሞት፣ ዓለማዊ ፍትሒ ዕዳ፣ ከምኡ’ውን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ፣ ንሰብኣዊ መሰላት ዘጋጥሞም ሰፊሕ ብድሆታት ዘማእከለ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን  ይሕብር።

ናይ ሞት ፍርዲ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን

ዋና ጸሓፊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፣ ፍርዲ ሞት፣ “ኣብ ልዕሊ ዘይግሃስን ክብርን ሰብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን፣” ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር ጽኑዕ መርገጺ ደጊሞም ከም ዝረጋገጹን፣ ዘመናዊ ስርዓታት ፍርዲ፣ ንኹሉ ተኽእሎታት ምብጃውን ምሕዋይን ዘወግድ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከይተጠቕመ፣ ንሕብረተሰብ ዝከላኸለሉ ኣገባብ ዝውንን ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናይ ምሕረት ተግባራት፣ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም እቲ ዝተበየኖም ፍርዲ ናብ ምሉእ ህይወት ማእሰርቲ ክቕየረሎም ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ዋላ ሓደ ስልጣን ንህይወት ካልእ ሰብ ናይ ምቕታል መሰል ከም ዘይብሉ ንዝነበረ እምነት ዘደልድል እዩ - ቢሎም - "መንግስቲ ሓዊሱ ዝኾነ ሰብ ህይወት ካልእ ሰብ ክሓትት ዘኽእሎ ወይ ዘፍቅደሉ ዕዳ የለን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍትሒ ዕዳ ከም ግብረ ገባዊ ግዴታ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብቲ ብላዕለዎት ኣካላት ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ብዛዕባ ዓውሎማዊ ዕዳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርበካ ሃገራት ዘሎ ዘይተመጣጠነ ጾር ዕዳ ኣጉሊሖም፣ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ካብ ኣብ ከም ንጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ንላዕሊ ዘለወን ሃብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዕዳ ኣብ ዘዋፍራ ሃገራት ከም ዝነብር ኣመልኪቶም፣ "እቲ ካብ መዋቕራዊ ጕዳያትን ብሕታዊ ጠባያትን ዝመንጨወ ዝዓበየ ስቓይ፣ ንህዝቢ እተን በዚ ዅነታት እዚ ተሓተትቲ ዘይኰና ድኻታትን ዕዳ ዘለወንን ሃገራት ይጸሉ . . . ዓውለማዊ ዕዳ ህዝቢ ኣብ 2023 ዓ.ም. 97 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጽሐን፡ ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ድማ ዝኸበደ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም፣ ሃገራት ዓለማዊ ደቡብ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዋጋ ጽቡቕ ሂወት ዜጋታተን፡ ናይ ደገ ዕዳታት እናኣገልገላ፡ ንዘላቒ ልምዓት ንምምዋል ከምዝቃለሳ እውን ኣመላኺቶም፣ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ዝቐረበ ጻውዒት ልዑል ምሕረት ዕዳ ብምጥቃስ፣ ቁጠባዊ ፍትሒ ካብ ገንዘባዊ መኽሰብ ንላዕሊ ንሰብኣዊ ክብሪ ቀዳምነት ክህብ ኣለዎ ምስ በሉ፣ ኣተሓሒዞም ሃብታማት ሃገራት ብዘይ ፍትሓዊ ካሕሳ ኣብ ልዕሊ ኣከባብያዊ ጸጋታት ድኻታት ሃገራት ዝፍጽመኦ ምዝመዛ "ምህዳራዊ ዕዳ" ክህልወን ዝገብር ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፣ "ህዝቢ ሓንቲ ሃገር መሰረታዊ ነገራት እውን ከይተረፈ ክረክቡ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን ክፍሊት ምሕታት ወይ ምጽባይ ቅኑዕ ኣይኰነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሎጡ።

ሰብኣዊ መሰላትን ዓለማዊ ብድሆታትን

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዘስምዕዎ መደረ፣ መሰል ህይወት ኣብ ኵሉ ምይይጥ ሰብኣዊ መሰላት ማእከል ክኸውን ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም፣ ንዅሉ እቲ ንሰብኣዊ ክብሪ ዘስግእ ካብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ተኣፋፊ ህዝቢ እንኮላይ፣ ነቶም ካብ መረበቶም ዝመዛበሉ ሰባትን ንዘይተወልዱ ሕጻናትን ብቑዕን ንህይወት ዝመጣጠን ሓገዝ ዘይምቕራብን ዝብሉ ጉዳያት ኮኒኖም፣ ዘሎ ስነ ህዝቢ ቅልውላው እውን ኣስተውዒሎም፣ ንህይወትን ስድራቤትን ኣደነትን ምድናቕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብ ዝመጽእ መበል 30 ዓመት ዝዝኸር ዋዕላ ቤጂንግ ንፍሉይ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ንምሃብን ኣብ መንግስታውን ውልቃውን ህይወት ዘለወን ተራ ዝድግፍ ክኸውን ድማ ጸውዒት ኣቕሪቦም፣ “ምስ ቅልውላው ዕዳ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፣ መሰል ልምዓት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ” ቢሎም፣ ዝያዳ ፍትሓዊ ዝኾነ ኣህጉራዊ ቍጠባዊ ስርዓት ክህሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ጉዳይ ግዱድ ምምዝባል ኣማእኪሎም፣ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብኽብሪ ክተሓዙን ውሑስን ሕጋውን መንገዲ ክቐርበሎም ኣለዎ ዝብል መርገጺ ቅድስቲ መንበር ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፣ መሰላትን ክብርን እቶም ከም ጾር ገይሮም ክርእይዎ ዘይግባእ የግዳስ ከም ውልቀ - ሰባት መጠን ንማሕበረሰብ ክብረትን ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉን ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ምድጋፍ ግዴታ እዩ . . . ከም ዝንቀሳቐሱ ኣቝሑ ክሕሰቡ ዘይብሎም፣ ክብርን ንኻልኦት ከቕርብዎ ዝኽእሉ ጸጋታትን ዘለዎም ይእያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንዝተሓደሰ ቃል ኪዳን

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ማሕበረሰብ ዓለም ንስርዓታዊ ለውጢ ክሰርሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ሓንጸጽቲ መምርሕታትን ሕግታትን ከም ናይ ሞት ፍርዲ ዝኣመሰሉ ናይ መቕጻዕቲ ስጉምትታት ክነጽጉ፡ ንዓለምለኻዊ ቅልውላው ዕዳ ፍትሓዊ ፍታሕ ክደልዩ፡ ክብሪ ኩሉ ህዝቢ ክሕብሕቡ ኣተሓሳሲቦም፣ ቝጠባ ንምዕቃን ዜድሊ መለክዒ መኽሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ቐንዲ መለክዒ ክብሪ ሰብ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡ ትውፊት ኢዮቤል፡ ስኒትን ሰላምን ብዝብል ዕላማ፡ ድሌትን ኣበርክቶን ኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ምትሕግጋዝን ፍትሕን ንምርግጋጽ ዕዳ ምስራዝ ይዕድም . . . "ክብደት ህሉው ኩነታትና ቅልጡፍ ስጉምቲ ዝሓትት እዩ . . . ከቢድ ጾር ዕዳ ምስራዝ እቲ ዝብሃግ ዕላማ ክኸውን ኣለዎ . . .  በዚ መንጽር ሰብ ማእከል ዝገበረ፣ መሃዛውን ኣብ ምዕሩይነት፣ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ሓድሽ ኣህጉራዊ ቁጠባ ንርግጋጽ ​​ኣድላዪ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Feb 2025, 15:22