ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ መወዳእታ ክግበረሉ ጸዊዓ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕስል ዘሎ ውግእ መወዳእታ ኽግበረሉ ጻውዒት ኣቕረቡ። እዚ ምሕጽንታ እዚ ዓለም ነቲ ብ24 ለካቲት 2022 ዝጀመረ ምሉእ ወራር ሩስያ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዕትዝክረሉ ዕለት ዝቐረበ ኢዩ ዝነበረ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣብቲ ናብቲ ንመበል 1,509 እተኻየደ ጉባኤ ናይ ምትሕብባርን ድሕንነትን ጉዳይ ዝከታተል ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ሃገራት ኤውሮጳ OSCE ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነዚ መጻዋዕታ እዚ ኣቕረቡ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዘተን ብሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎታትን ስጉምቲ ብምውሳድ ሓድሽ ተበግሶታት ክግበር ተማሕጸኑ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝወርድ ዘሎ ኸቢድ ስቓይ ብምጉላሕ፣ ብዙሓት ንጹሃትን ሰላማውያን ሰባት እውን ሓዊስካ ይሞቱ ከም ዘለዉ ኣመልከቱ። እዚ ግጭት እዚ ኣብ ርእሲ ደቅሰብ ዘውርዶ ዘሎ ጕድኣት፣ ነታ ሃገር ከቢድ በሰላ ገዲፉላ ኢዩ። እዚ ድማ ዕንወት ወሳኒ ቝጠባዊ መዋቕርን ምብልሻው ኣከባብን፣ ነቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ሰብኣዊ ቕልውላው ኣጋዲድዎ ኣሎ። ቅዱስቲ መንበር ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ናይ ሰብኣዊ ሳዕቤናት የተሓሳስባ ኣሎ፣ ዝተጨውዉ ቈልዑን ህጻናትን ንኽምለሱ ምቕልጣፍ፣ እሱራት ብፍላይ ከኣ ከቢድ ጕድኣት ዝወረዶም ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ክፍትሑ ከም እትጣበቕ ድማ ቃል ኣተዉ።
ሓደ ኻብቲ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ዘቕረብዎ ቐንዲ መርትዖታት፣ ኵሎም ጕጅለታት ንኣህጉራዊ ሕጊ ኺድግፉን ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላምን ደሓንን ምትሕብባርን ንምምላስ ብሓባር ኪዓዩን ኣድላዪ ምዃኑ እዩ። እቲ ኣቐዲሙ ነቲ ውግእ ደው ንምባልን ዲፕሎማስያዊ ውሳነ ንምግባርን ጻዕርታት እኳ እንተ ተገብረ፣ እቲ ኣብ ማሕበረ ሰብ ኤውሮጳ ንጸጥታን ምትሕብባርን ከምኡ ነቲ ግጭት ብዝምልከት ቅኑዕን ነባርን ፍታሕ ንምርካብ ከም ኣድላዪን ኣገዳስን ትካል መጠን ዘለዎ ግደ ውን ኣጕልሑ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዚመጽእ ዝዝከር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ደምዳሚ ሕጊ ሄልሲንኪ እንከስተንትኑ፣ ነተን ተሳተፍቲ መንግስትታት 'መንፈስ ሄልሲንኪ' ኺመልሳ ጻውዒት ኣቕረቡለን። ሰላም ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ ምሕዝነታዊ ርክብ ብምምስራት፣ ብኣኽብሮትን ብሃናጽን መንገዲ ዘተ ምክያድ ከምኡውን ምትሕብባር ብምድንፋዕ ዝዕቀብ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኸምቲ ቕድሚ 50 ዓመት ዝነበረ ሎሚ እውን ጠቓሚ ኩነት ኢዩ።
ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ኬብቅዕ ከም እተማሕጸኑ ውን ጠቐሱ። "ደሃይ ኣጽዋር ኣብታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ስቕ ይበል!" ውን በሉ። መልእኽቲ ቅድስቲ መንበር ንጹር ኢዩ - ናብ ዘተን ውዕላትን ዝመርሕ ትብዓት ዝመልኦ ስጕምትታት ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምምጻእ ኣድላዪ ኢዩ። ቅድስቲ መንበር ሰላም ንክሰፍን ዘቕረበቶ ጻውዒት ነቲ ስቓይ ንምቅላልን ኣብ ዩክረይን ውሑስ መጻኢ ንክህሉን መገዲ ንምጽራግን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎታትን ብህጹጽ ከም ዜድሊ ሓያል መዘኻኸሪ ንምቕራብ ኢዩ ዝነበረ።