ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር፦ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንኩነታ ህላዌና ዜስግእ እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ትማሊ ረቡዕ ኣብቲ ው. ሕ. ሃ. ዝለገስዎ መደረ "መብዛሕትኡ ግዜ ሕጋዊ ምክልኻል ንምርግጋጽ ካብቲ ዘድሊ ኣዝዩ ዝዛይድ ዘይተኣደነ ወተሃደራዊ ወጻኢታት፡ ነቲ ኣገደስቲ ጸጋታት ካብ ምጥፋእ ድኽነት፡ ፍትሒ፡ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዘዘናብል ኣድካሚ ውድድር ኣጽዋር ዝፈጥር ዕሱብ ዓንኬል የለዓዕል" ክብሉ ኣመልከቱ።
ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ተሳተፍቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ለውሃት ዝመልኦ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ "ሎሚ ነጥበ - መቐይሮ ኣብ እንገብረሉ እዋን ኢና ዘሎና " በሉ።
"ከም ስድራ ቤት መጠን ኣብ ትሕቲ ውጽኢታዊ ኣህጉራዊ ቍጽጽር፣ ሓፈሻዊ ሚዛናዊ ከምኡውን ምሉእ ኣጽዋር ንምጥፋእ ቅኑዕን ተባዕን ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና" ብምባል ውን ኣተባብዑ።
እንተ ዘይኰይኑ ግን እቲ ኣማራጺ "ውግእን ዓመጽን እናወሰኸ ዝኸይድ ውድድር ከምኡውን ምዕናው ኣከባቢ ዝቕጽሉ ኢና እንኸውን፣ ካብዚ ድማ ብዘይካ ነቲ ናይ ኣጽዋር ዕዳጋ እንተ ዘይኮይኑ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይጠቅምን ኢዩ" ብምባል ውን ኣጠንቀቑ።
'ንህውከት እተጸምዱ'
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር እዚ ብዛዕባ ኣጽዋር ውግእ ምርግፍ እተገብረ ዋዕላ "ብህውከት ከም ተታሒዙ" ከም ዘሎ ገለጹ፣ እዚ ድማ "ግቡእ ናይ ውዕላት ትእዛዝ ከይተቐበልካ" ዓመት ዓመት ምቕጻሉ ኢዩ ይብሉ።
ዕላማ ናይዚ ኣካል እዚ ብብዙሕ ወገን ንዝግበር ኣጽዋር ናይ ምርጋፍ መምርሒታት ዝኸውን ውዕላትን ጭቡጥ ውጽኢትን ምርካብን ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ዅሎም ህዝብታት ዓለም ኣብቲ ኣጽዋር ናይ ምርጋፍ ውዕላት ምእታም ኣገዳሲ ከም ምዃኑ ክዝከሩ ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ።
ኣብ ዘተ ናይ ምክፋል ግዴታን መሰልን
"ስለዚ ኵለን መንግስትታት ተወፋይነት ናይ ምግባርን ኣብቲ ዘተ ናይ ምስታፍን ግዴታን መሰልን ኣለወን" ውን በሉ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣስዒቦም "ብዙሕን ውድድር ዝመልኦን ኣጽዋር ምእካብ ምስቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ንሰላም ዘስግእ ነገራት ንምክልኻልን ንምውጋድን ሃገራት ውጽኢታዊ ዝዀነ ናይ ሓባር ስጕምትታት ክትወስዳ" ንእተሰማምዓሉ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጋጮ ኢዩ ዝመስል።
እዞም ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባርን ኣህጉራውያን ውድባትን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት "ነቲ ንኣጽዋር ዝወጽእ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ንምንካይ" ከምኡውን "ጥሜትን ድኽነትን ንምጥፋእን ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ቀጻሊ ዕቤት ንምግባርን ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምቅላስን ዝዓለመ፣ ትምህርታዊ ንጥፈታት ንምቅልጣፍን እንተ ወሓደ እተወሰነ ሚእታዊት ናይቲ ኣጽዋር ንምምፍራይ እተመደበ ገንዘብ ክጥቀመሉ" ንዘቕረብዎ ምሕጽንታ ውን ዘከሩ።
ግዜ ከይሓለፈ ከሎ
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብጽኑዕ ዘረጋገጽዎ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ውን "ነቲ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ ግጭት ሰጊርካ፣ ነቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምቕባል" ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
ስለዚ ቅድስቲ መንበር ነቲ ዋዕላ ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ጭቡጥ ዝዀነን ነባርን ስምምዓት ኣብ ምብጻሕ ሓድሽ ህጹጽን ቆራጽነት ዘለዎ ስጉምቲ ክውሰድ ተተባብዕ ምዃና ውን ገለጹ።
ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣስዒቦም ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ህላዌ ዘስዕቦ ስግኣታት "ኣዝዩ ከም ዜተሓሳስባ" ውን ኣመልከቱ።
"ሰላምን ኣህጉራዊ ርግኣትን ምስቲ ሓባራዊ ጥፍኣት ወይ ምሉእ ብምሉእ ከንጠፍእ ዝብል ፍርሂ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ጻዕሪ ኣይቃዶን ኢዩ" በሉ።
ጽኑዕ ውዕላት የድሊ ከም ዘሎ
ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብቐጻሊ ምስፍሕፋሑን ዘመናዊ ምዕባሌኡን ከምኡውን ብዛዕባ ኣሰራርሓኡ ዘስግእ ዜናታቱን ምፍርራህን ከም ዘሻቕሎም ውን ገለጹ። ሎሚ ሰላምን ርግኣትን ንምድንፋዕ ዝሕግዝ መገዲ ካብቶም ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘፍርዩን ዝገዝኡን ወይ ዜጐሃህሩ ኪኸውን ከም ዘይክእል ኣትሪሮም ውን ተላበዉ ።
" ኣብ ርእሲ እዚውን ሃገራት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምስቲ ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 6 ዘለወን ግዴታታት ብምስምማዕ ነቲ ዝኣከባኦ ኣጽዋር ንምንካይን ንምውጋድን ብርቱዕ ውዕላት ክገብራ ህጹጽ ኢዩ" ብምባል ውን ተጣበቑ።
ንሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከም ኣጽዋር ንምጥቃም ዘሎ ሻቕሎት
ብዛዕባ ኣጽዋር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) እውን ወሲኾም ኣመልከቱ፣ ከምዚ ድማ በሉ ፦ "ብናይ ርሑቕ መቈጻጸሪ መሳርሒታት ኣቢልካ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናይ ምምራሕ ክእለት፣ ብዛዕባ እቲ ኣጽዋር ዜስዕቦ ዕንወት፣ ዘለዎም መረዳእታ ኸም ዝንክን፣ ንኣጠቓቕማኡ ብዝምከት ድማ ከቢድ ጾር ከም ዘስክም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ውግእ ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ብዝያዳ ዘስግእን እተፈልየን ሳዕቤን ኸም ዚህልዎን ገይሩ ኣሎ" ክብሉ ውን ገለጹ።
ብፍላይ ይብሉ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር፣ ነቶም ተሳተፍቲ፡ እቲ ብዘይ ቀጥታዊ ተሳትፎን ምቍጽጻርን ዕላማታት ናይ ምልላይን ምውቃዕን ክእለት ዘለዎ ሌታል ኣውቶነመስ ኣጽዋር (LAWS) 'ስነ-ምግባራዊ መርመራን፣ ስነ-ምግባራዊ ውሳነ ናይ ምግባር ፍሉይ ሰብኣዊ ተኽእሎን' ስለ ዘይብሉ ከቢድ ሞራላዊ ሻቕሎት ከም ዘስዕብ ውን ኣዘኻኸሩ።