MAP

ሓባራዊ ተወፋይነት ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስትያናትን ሓባራዊ ተወፋይነት ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስትያናትን 

ሓባራዊ ተወፋይነት ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስትያናትን

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዓለም ለኸ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግልጺ፣ ዘተ መጋበርያ ሰላምን ምርድዳእን ምዃኑ ደጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ምትሕብባርን ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ዕለት 17 – 20 ለካቲት ኣብ ሮማ ድሕሪ ዘካየድዎ ዓመታዊ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ሕሉፍ ተበግሶታትን ቀጻሊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ንጥፈታትን ንምግምጋምን፣ ኣብ መጻኢ ዝግበር ምትሕብባር ንምድህሳስን ዕድል ዝፈጠረ ምንባሩ ኣመላኺቶም፣ ቀንዲ ትኹረት ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ 2027 ዓ.ም. ዝኽበር መበል 50 ዓመት ምትሕብባር ክልቲአን ትካላት ዘድሊ ምድላዋት ንምግባር ዝኣተመ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምትሕብባር

ካብ 1977 ዓ.ም. ዝተበገሰብ ምትሕብባር ገለ ኻብዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኤቈምናዊ መቓን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘጠቓልል ብዙሕ ስራሕ ከም ዘካየደን የካየድ እውን ምህላዉን፣ እዚ ሓባራዊ ምትሕብባር እዚ፥ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ሰነድ (1994) ኣብ መንጎ ሰዓብቲን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝፍጸም መውስቦ (1997)፣ ክርስትያናዊ ምስክር ኣብ ህብረ - ሃይማኖታት ዘለዎ ዓለም፦ ንኣካይዳ ዝምልከት ለበዋታት (2011)፣ ኣብ ህብረ - ሃይማኖታት ዝንበራ ዓለም ዚወሃብ ትምህርቲ ሰላም፥ ክርስትያናዊ ኣረኣእያ (2019)፣ ከምኡ’ውን ንእተጎድኣት ዓለም ብሃይማኖታት ምትሕግጋዝ ምግልጋል፦ ክርስትያናዊ ጻውዒት ኣስተንትኖን ተግባርን ኣብ እዋን ኮቪድ - 19 (2020)፣ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ናይ ሓባር ሰነድ ክቐርብ ከም ዝሓገዘ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ሰላምን ሕውነትን ምድንፋዕ

ኣብቲ ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡኻት፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንምሕያል ዘለዎም ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ። ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ኩሉ ግዜ ዝህሉ ክውንነት ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ኣብ መንጎ ትውፊታት እምነት ምርድዳእን ምትሕብባርን ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ኣብዛ ብግጭት ዝተበታተነት ዓለም፡ ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ተጋባእያን ኣረጋጊጾም፣ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ከም መጋበርያ ሰላም ኮይኖም ከገልግሉ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፣ “ሃይማኖታት ብሓቀይና ዘተ ምስ ዝምራሓ፡ ምፍልላይ ኣብ ምፍዋስ፡ ሕውነት ኣብ ምዕባይን ዕርቂ ኣብ ምዅስኳስን ኣበርክቶ ክገብራ ይኽእላ እየን” እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ኣፍሊጡ፣

እቲ ኣኼባ ተጋባእያን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምርድዳእን ዘተባብዕ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝካየድ ተበግሶታት ንምስጓም ዝተሓደሰ ጻዕሪ ንኽግበር ብዝኣተውዎ ቃል ኣብ ዝተዛዘመ ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዓለም ሓቆፍ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያናትን ዘሎ ምሕዝነት ምስጋናኦም ብምግላጽ፡ እቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተበገሰ ምሕዝነት ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንቐጻሊ ተወሳኺ ምትሕብባር ክህሉ ዘተባብዕ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 Feb 2025, 17:12