ካርዲናል ቸርኒ ናብ ወደብ በይሩት በጺሖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ናብታ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ እተመልክት ወደብ በይሩት ምብጻሕ ንምክያድ፣ ኣብቲ ኣስማት እቶም ግዳያት ተቐሪጹሉ ዝርከብ ቦታ በጺሖም ምእንቲ እቶም ግዳያት ጸሎት ኣዕሪጎም። ንሓንቲ ኤልያስ ዝበሃል ወዳ በቲ ዘጋጠመ ነታጒ ዝሞታ ሚሪል እትበሃል ኣደ እውን ሓዊስካ ምስ ስድራ ቤታት እቶም ግዳያት ተራኺቦም ልባዊ ምጽንናዕ ኣካፈልዎም። ሚሪል ግላዊ ስቓይ እኳ እንተ ኣጋጠማ፣ ኣብ መጻኢ ተስፋ ብምግባር ኸምኡ ውን ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ቐጻሊ መርመራታት ከም ዝግበር ዘለዋ ተስፋ ገለጸት።
መጸዋዕታ ንፍትሕን ሓቅን
ስድራ ቤታት እቶም ግዳያት ዳርጋ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ደኺመ ኸይበሉ መልስን ፍትሕን ክሓቱ ጸኒሖም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን ከይተረፉ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2024 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ደጊፎምዎ ኢዮም። እዚ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ነቶም ግዳያት ምብጻሕን ምስኣቶም ደው ምባልን ብድንጋጸ ዝመልኦ ምስማዕን፣ ነቲ ዓሚቝ ምርመራን ተሓታትነትን ንኽግበር ዝቐረበ ጻውዒት ዘደልድሎ ኢዩ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ በቶም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ፓውሎ ቦርዣን ተሰንዮም ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ቤተ ክህነት ብምዃን፣ ነቲ ናይ ዝኽሪ ሥርዓተ ጸሎት መርሕዎ፣ እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ግዜ መከራን ሓዘንን ምጽንናዕን ደገፍን ኣብ ምሃብ ዘለዋ ግደ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ።
ናብ ማእከል ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ምብጻሕ
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ውን ናብቲ ካብ ፍሊፒንስ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ህንዲ፡ ስሪ ላንካን ባንግላደሽን ከምኡ ውን ካብ እተፈላለያ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታትን ተመዛብረልትን ዝርከቡሉ ማእከል ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳያን ምብጻሕ ኣካይዶም። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዘጋጠሞም ጸገማትን፣ ነቲ ዝወርዶም ዘሎ ዘመናዊ ባርነትን እንተላይ ነቲ ናይ ምዝመዛ ዕስብናን ናይ ሓሶት ውዕላትን ኣካፈልዎም።
እቶም ኣብ ማእከል ኣገልግሎት ስደተይናታት ኢየሱሳውያን ዝርከቡ ስደተይናታት ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ፣ ናይ ቅርበትን ሓድነትን ስምዒት ከም ዚሓድሮም ዚገብር ሰሙናዊ ውድድራት ክሪከት ኰነ ከም ማሕበረሰብ ዝራኸቡሉን ኣኼባታት ዘካይዱሉን ከምኡ ውን ብምውዳቤ እናዓበዩ ዚኸይዱሉ ደገፍ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ መርበብ ሃኒጾም ከም ዘለዉ ውን ኣመልከቱ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ነቶም ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዘለዉ ቃልሲ ንኸበራትዕዎም ታሪኾም ንጋዜጠኛታት ኬካፍሉ ኣተባብዕዎም። ብሕታዊ ህያባት እውን ኣካፈልዎም፣ እዚ ህያብ እዚ ድማ ሓንቲ ዓባዮም ንብፁዕ ካርዲናል ዝሰኣለቶ ኣይቆና ናይ ቅድስቲ ስድራ ናብ ግብጺ ክትስደድ እንከላ፣ ከም ምልክት ሓድነት ኣወፈዩሎም።
ምስ ማሕበር ኢየሱሳውያን ምርኻብ
ካርዲናል ቸርኒ ምስቶም ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘቅዱስ ዮሴፍ ዝርከቡ ኣባላት ብዝገርዎ ኣኼባ ዑደቶም ዛዘሙ። ንቶም ኣብ ሓውርያዊ ኣገልግሎታትን፡ ትምህርትን ከምኡ ውን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ተጸሚዶም ንጳጳሳቶም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ዘለዉ ኣብዛ ብውግእ ዝቖሰለትን ዓመጽ ስደተይናታት እናወሰኸ ዝኸደላ ዘሎ ጽልኢ ዝበዝሓ ዓለም ከም "ልኡኻት ተስፋ" ዀይኖም ክዓዩ ተማሕጸንዎም።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ናብ ሮማ ቕድሚ ምምላሶም፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቀጻሊ ደገፍን ሓድነትን ከም ዜድሊ ብምጕላሕ ምእንቲ ኩነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ክጽልዩ ውን ተላበውዎም።
እዚ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ዘካየድዎ ሓውርያዊ ዑደት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንፍትሕን ሓድነትን ምትሕግጋዝን እቶም እተጨቈኑን መከራ ዝበዝሖምን ሕዝቢ ዝገበረቶ ነቕ ዘይብል ቈራጽነት ዘጕልሕ፣ ናይ ተስፋን ድንጋጽን መብራህቲ ኢዩ።