ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ ሰሜናዊ ሊባኖስ ክፋርድላኮስ ምስ ሶርያውያን ስደተይናታት ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን
ኣብ ሰሜናዊ ሊባኖስ ዞባ ዝጋርታ ኣብ እትርከብ ቁሸት ክፋርድላኮስ ዘሎ ሓደ ካብቶም ኣብ ሶርያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ 50 መዓስከር ስደተይናታት ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ናርዲናል ማይክል ቺዘርንይ ምስቶም ኣብቲ መዓስክር ዝርከቡ 125 ስደተይናታት፣ ልዕሊ 60 ሕጻናት ዝርከብዎም 25 ኣባይቲ ስድራ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ተንቀሳቓሲ መእለዪ ህሙማ
ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ጨንፈር ኣብ ሊባኖስ፣ ነቶም ኣብቲ ስፍራ ዝርከቡ ስደተይናታት ሶርያውያን ብፍላይ ድማ ነዴታት መዓልታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መድሃኒትን ካልእ ዘድሊ ሓገዛት ዘቕርብ ኮይኑ፣ "ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ሓምሳ ሰባት ከም ዝሕከሙን፡ ካብ 10 - 15 ሕክምና ካብ ዝወሃቦም ሶርያውያን ስደተይናታት ድማ ነፍሰ ጹር ኣዴታት ከም ዝኾና ክሕበር እንከሎ፣ ተመሳሳሊ ተንቀሳቐስቲ ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ዝተፈላለየ ሶርያውያን ስደተይናታት ኣብ ዝርከብሉ መዓስክር ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳኻ ይነብዑ"
ካርዲናል ቸዘርንይ ምስቶም ስደተይናታት ተራኸቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "ቤተ ክርስቲያን ቀረባኹም እያ፣ ትሰምዓኩም እውን” ቢሎም እቶም ስደተይናታት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ዘለዎም ተስፋ እውን ተኻፋሊት ምዃና ኣረጋጊጾም፣ "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣብ መንጎኹም ብምህላወይ ሕጉስ እዮም። ብስቓይኩም ንበኪ። ቅዱስ ኣቦና ምሳኹም ይነብዑን ድምጽኹም ኮይኖም ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎንኹም ክኸውን ብዘይምቁራጽ ከም ዝሓቱ ኣመላኺቶም፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዚያ ቀረባ እያ፣ ነቲ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ህዝቢ ምግልጋል ንቤተ ክርስትያን ኣማራጺ ዘይኮነስ ቀንዲ ናይ ተልእኾኣ ሕመረት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።