ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንዲያቆናት እተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብስነ - ቓል ‘ዲያቆን’ ዝብል ቃል “ኣገልጋሊ” ማለት እዩ . . . እቶም 4,000 “ኣገልገልቲ” ምስ ካልኦት 2000 ኣገልገልቲ ብሓባር፣ ካብ 21 ለካቲት ጀሚሮም ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሮማ ኣብቲ ንዲያቆናት ኣተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ክሳተፉ እዮም።
እቶም ዲያቆናት ካብ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብራዚል፣ ህንዲ፣ ካሜሩንን ኣውስትራልያን ሓዊሱ ካብ ልዕሊ ሚእቲ ሃገራት ዝመጹ ኣብ ንግደት ኢዮቤል ተስፋ ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ መደብ ዕለት 21 ለካቲት ኣብ 12 ኣብያተ ክርስቲያናት ሮማ ሰዓት 15፡30 ድሕሪ ቀትሪ ብመደብ ጸሎትን፣ ስዒቡ ድማ “ጭቡጥ ምልክታት ተስፋ ኣብ ኣገልግሎት ድቁና” ብዝብል ኣርእስቲ ተኸታታሊ ዓውደ ኣኼባታትን ዝተጀመረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዕለት 22 ለካቲት ንግሆ ተሳተፍቲ መዓልቲ ኢዮቤል ንዲያቆናት ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፉን፣ ኣብ ዞባ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲነማን ትያትርን ሙዚቃን ኣዳራሽ ካብ ሰዓት 09፡30 ክሳብ ሰዓት 13፡00 “ዲያቆናት ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ዘርእስቱ መደብ ዓውደ ጉባኤ ከም እተሳተፉን፣ ምሸት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ከም ዝሓበሩ ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሰንበት 23 ለካቲት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ዝወከልዎም ናይ ኣስፍሆተ ወንጐል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዛዘም ከም ዝኾነን ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ን23 ምእመናን ማዕርገ ድቁና ክሰርዑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
“እዚ መዓልቲ ኢዮቤል እዚ ንእምነትና ዘደልድል ኮይኑ፣ ነቶም ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽንበጽሕ ዘተባብዓና እውን ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።