ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ መሰል ህጻናት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክእንገድ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዕድመ መባእታዊ ትምህርቲ ዝርከቡ 64 ሚልዮን ህጻናት፡ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጉ ከም ዝኾኑን፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት፡ ካብ 3 እቲ 1 ንጽንኩር ስእነት መግቢ ዝተቓልዐ ምዃኑን፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ጥራይ 12 ሚልዮን ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣስንትዮ ንግዱድ መርዓ ከም እተቓልዓ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜ ቫቲካን ይሕብር።
ነቶም ዝሳቐዩ ሕጻናት ፍሕሹው ገጾም ምምላስ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም መሰሎም ዝተነፍጉ ኣብ ሓደገይና ዅነታት ዝነብሩ፡ ዝምዝመዙን ንዘተፈላለየ ማህሰይቲ ዝቃልዑን፡ ከምኡውን ብሳዕቤን ውግእ ዝሳቐዩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምሕጋዝን ንምሕላውን ኣሚቶም፡ ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ድሕነት ህጻናት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኣህጉራዊ መዓልቲ መሰል ህጻናትን መንእሰያትን ምስ ዝዝዝከረሉ ዕለት ተተሓሒዙ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 3 ለካቲት 2025 ዓ.ም. "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ፡ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ መሰል ህጻናት ክተእንገድ ክም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።
ዕለት 28 ጥሪ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ፡ ነቲ መደብ ‘ናይ ተስፋ ፍጻሜ’ እንክብሉ ገሊጾም፡ “ብዙሓት ህጻናት ብኲናት፣ ዓመጽ፣ ጾታውን ጉልበታውን ምዝመዛ ንሞት ከም ዝቃልዑ” ብምዝኽኻር፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ድማ፡ ነዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሕጻናት ፍሕሹው ገጾም ክንመልሰሎም ዝድርኽ ዓውደ ኣኼባ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሕጻናት እተወፈየት መዓልቲ
እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ብዛዕባ መሰል ሕጻናት ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ፡ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል፡ መሰል ስድራቤት፡ ካብ ዓመጽ ምክልኻልን፡ ተበጻሕነት ጸጋታትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዘማእከሉ ሸውዓተ መድረኻት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኢላታትን ዕዱማትን ዘራኽብ፡ ነቶም “ክሳብ ሕጂ መሰሎም ዝተነፍጉ፡ ኣብ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ዝነብሩ፡ ዝምዝመዙን ዝግፍዑን፡ ብመዓታዊ ሳዕቤን ኲናት ዝሳቐዩን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት፡” ንምሕጋዝን ንምሕላውን ሓድሽ ኣገባብ ክሕንጸጽ ሓሳብ ዘቕርብ እውን ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ዝተዋህበ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ሓድሽ ናይ ቅልውላው ዘመን
እዚ ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ዝመክር ዓለምለኻዊ ዓውደ ኣኼባ፡ ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ መዓልታዊ ዘጋጥሞም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ዝህብ እዩ። "ዓለም ኣብ ሓድሽ መዋእል ቅልውላው ቈልዑ ትርከብ ከም ዘላ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ማዕከን ሓልዮት ቈልዑ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ብምምልካት፡ ለውጢ ዅነታት ኣየርን ዘይማዕርነትን ግጭትን፡ ህይወቶም ንሓደጋ ዘቃልዕን ንመጻኢኦም ዝድርትን ምዃኑ እነጺሩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዘሰክፍ መግለጺ፥ ኣብ ናይ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ “ሎሚ ናይ ስነ ህንጸትን ትምህርትን ቅልውላው የጋጥመና ኣሎ” እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኩሎም ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም፡ ይኹን እምበር ኣስታት 250 ሚልዮን ህጻናት "ብሰንኪ ኲናት፡ ስደትን ድኽነትን" ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፍጎም ከም ዝኾኑ፡ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ ይሕብር።