ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፥ መራኸቢ ብዙሓን ተስፋ ዘስፍሕ ይኹን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ባልዳሳረ ረይና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ነጋድያን ጋዜጠይናታት ዘሳተፈ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ምሕረት ኣምላኽ ደረት ኣልቦ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅድሚ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሰበኻ ሮማ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ርክባት ሓላፊ ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዘ፡ ናይ ንስሓ ስርዓተ ኣምልኾ ከም ዝመርሑ ኣፍሊጡ።
ኣብነት ክርስቶስ ዝስዕብ መራኸቢ ብዙሓን
ብፁዕ ካርዲናል ረይና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ኢዮቤል፥ ናይ ምሕረት ግዜ ምዃኑ ገሊጾም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 59 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መራኸቢ ብዙሃን መጋበርያ ሰላምን ምርድዳእን ክኸውንን፡ ዝኾነ ዓይነት ግጭትን ዘይምርድዳን ከስዕብ ካብ ዝኽል ተግባራት ኩሉ ክቑጠብ፡” ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣዘኻኺሮም፡ ኢየሱስ፡ ዜሕፍር ኩነታት፡ ክትጻወሮ ከቢድ ዝኾነ ክፍኣት ከጋጥሞ እንከሎ፡ ነቲ ዘሕፍር ነጋራት ዝፍጽመ ሰብ ካብ ምጥቓዕ ርሒቑ፡ ልኡም ርክብ እዩ ዘካይድ፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ እነንብቦ፡ . . . ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። ኢየሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ” ከም ዝበሎም ብምዝኽካር፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ፈራዲ፡ ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ ብጌጋኣ ዘይኮነ ዝገለጻ፡ ነቲ ባህርያዊ ክብረታ እዩ ዘስብተሃለ፡ እዚ ኸኣ ንኽትሕደስ ተስፋ ከም ዝጸገዋ እዩ ዘረጋግጸልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣድማስ ተስፋ
እቶም ካርዲናል ነቲ ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ “ኪድ ደጊም ኣይትሕጥኢ” ዝብላ ቃል መሰረት ገይሮም፥ እዘን ቃላት እዚኣተን ንተስፋ ዝሓቖፋን ምልዋጥን ዘመልክታን እየን፡ እቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ናይ ምሕረት ተግባር፡ ናይታ ሰበይቲ ውልቃዊ ኢዮቤል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፡ ነቲ ንናይ መራኸቢ ብዙሓን እተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል ከነብዕሎ እንተደሊና፡ ነቲ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ኣፍልጦ ዝህብን ንሓባራዊ ቤትና ሓልዮት ዘዕብን ቅዲ ርክብ ክንሓቁፍ ኣሎና” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ንለውጢ
ኣብቲ ኣባ ኣልባነዘ ዝመርሕዎ ናይ ንስሓ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ካብ’ቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ’ ብዝብል እርእስቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝኣወጅሉ ሰነድ ዝተወስደ ክፋል ምስ ተነበ፡ ኣባ ኣልባነዘ ነቶም ኣብቲ ናይ ንስሓ ስርዓተ ኣምልኾ ንዝተሳተፉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ዝነብር ተስፋ ከስተንትኑን፡ ነቲ ንባዕሉ ንክርስቶስ ዝውክል ድርኵኺት ቅዱስ ኣፍደገ ብምስጋር፡ ናይ ምልዋጥ መንገዲ ክሓቑፉን ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ጋዜጠይናታትን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ሞያኦም ከም ሓደ ናይ ተልእኾ ዓውዲ ገይሮም ክርእይዎ ኣተባቢዖም፣ ምልዋጥ ካብ ሞያዊ ህይወት ክፍለ ዘይክእል እዩ። “ዕሱባት” ከይኮኑ ኣጠንቂቖም፡ ፍቕርን ሓልዮትን ኣምላኽ ዘንጸባርቑ ክኾኑ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፣
ሓልዮትን ፍቕርን ምርኻብ
ኣባ ኣልባነዘ ነቶም ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን ዕዮኦም ናይ ኣምላኽ ሓልዮትን ፍቕርን ዝገልጽ እንተ ዀይኑ ወይ ብዓለማዊ ነገራት ዝድረኽ እንተ ዀይኑ፡ ገዛእ ርእሶም ንኽምርምሩ ዓዲሞም፡ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ መራኸቢ ቡዙሓን ተስፋ ዘተባብዕን ዝያዳ ናይ ሓባር ዓለም ንምህናጽ ዝሕግዝን ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዝድርኽን ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘስምዕዎ ቃል ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።