MAP

ቕርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢዮቤል ሓድሽ ናይ መብራህቲ ንድፊ ቕርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢዮቤል ሓድሽ ናይ መብራህቲ ንድፊ 

ቕርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢዮቤል ሓድሽ ናይ መብራህቲ ንድፊ

ናይ ኢጣሊያ ጸዓት ኤለትሪክን ቀረብ ማይን ትካል ሓለፍትን ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተራዳኢ ህየንተ ናይ 2025 ዓ.ም. ኢዮቤል ኣተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ብምኽንያት ዓመት ኢዮቤል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሰርሐ ሓድሽ ንድፊ መብራህትን ንነጋድያን ዝተሰርሑ ማእከላት ቀረብ ዝስተይ ማይን ዕለት 16 ታሕሳስ ብወግዒ ከም ዝመረቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብላዕለዎት ኣካየድቲ ስራሕ ናይ ኢጣልያ ጸዓት ኤለክትሪክን ቀረባ ማይን ትካል ሓለፍትን ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተን ኣተሓባባሪ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊሲቸላ ብዛዕባ እዚ ውጥን እዚ ዕለት 16 ታሕሳስ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ እቲ ናይ መብራህቲ ንድፊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወስድ ብቪያ ደላ ቾንቺላዚዮነ ዝፍለጥ ነዊሕ ናይ እግሪ መገዲ እውን ዘጠቓልል ኮይኑ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውን ንነጋድያን ማእከል ቀረብ ዝስተይ ማይ

ከም እተሰርሐን እዚ ኹሉ ነቶም ኣብ ዓመት ኢዮቤል ትጽቢት ዝግበረሉ ዋሕዚ ነጋድያንን በጻሕትን ነጻን ተበጻሕን ዝስተ ማይ ንምቅራብ ከም ዝኾነ የመላኽቱ።

17 Dec 2024, 16:31