MAP

ናይ መስከረም ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. - ምእንቲ እቲ ምስ ፍጥረት ዘሎና ርክብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ንመስከረም 2025 ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ምስ ኵሎም እቶም ብኣምላኽ ዝተፈቕሩን፣ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዚግብኦም ፍጥረታት ምእንቲ ዘሎና ሕድሕዳዊ ምድግጋፍ ክንጽሊ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ምእንቲ "ምስ ኵሉ ፍጥረት ዘሎና ርክብ" ክንጽሊ ጻውዒት ኣቅረቡ ።

ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ "ብቅዱስ ፍራንቸስኮ ተደሪኽና ምስ ኵሎም እቶም ብኣምላኽ ዝተፈቕሩን፣ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዚግብኦምን ፍጥረታት  ኣብ ንሓድሕድና ክንደጋገፍ ምእንቲ ኽእል" ኽንጽሊ ተላበዉ።

እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ጸሎት፣ ኣምላኽ ንዅሎም ፍጥረታት ዘለዎ ፍቕሪ እተጕልሕ እያ፣ "ካብ ለውሃቱ ወጻኢ ዝኾነ ከም ዘሎ" ኸምኡውን፣ ኣምላኽ "ነታ ተራ ዝኾነት ወይ ዝሓጸረት ህይወት" እውን ከይተረፈ ኸም ዚሓልየላ ይዝክር። "ልክዕ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ፣ ንሕናውን ሎሚ 'ኦ ጐይታይ ምስጉን ኢኻ' ክንብል ንደሊ ኢና ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ህብብቲ ዝኾነት ዓዋዲት መልእኽቶም ብዛዕባ ፍጥረት ንዝበለዎ ቃላት ደጊምና ከነቓልሕ ንኽእል ኢና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ብዛዕባ "ጽባቐ ፍጥረት" ኣምላኽ ከም ግልጸት ኣምላኽን፣ ከም "ምንጪ ኩሉ ሰናይን" ገይሮም ድሕሪ ምግላጽ፣ "ካብቲ ንዓለም ከም ክትፈትሖ ከም ዘሎና ጸገም ከም ምዃና ንላዕሊ፣ ኻብቲ ምስጢር ቅርበትካ ምስ ፍጥረት ተማሂርና ንኸነለልዮ ኣዒንትና ክፈተልና" ክብሉ ጸለዩ። ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብሞሳ ምስትንታን ንባዕሉ ምስጢር እዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ንጸሎቶም ኣብ ምዝዛም፣ "ኣብ ኵሉ ፍጥረት ህላወኻ ንኽንፈልጥ ሓግዘና በዚ ኸምዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ነቲ ንህይወት ብዅሉ ኣንፈታቱን ኣጋጣሚታቱን ክንከናኸኖን ከነኽብሮን ከምኡውን ከነዕቍቦ እትዕድመና ሓባራዊት ቤትና ሓላፍነት ክስምዓናን ገዛእ ርእስና ኽንፈልጥን ንኽእል ኢና" ብምባል ደምደሙ።

ኣብ እዋን ምስጋና ምንባር

እቲ ንነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳብ ጸሎት ናይ ምስንዳው መዝነት ዘለዎ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም ለኻዊ መርበብ ጸሎት ምስዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘሰንዮ ጋዜጣዊ መግለጺ "እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ዙርያ እቲ ካብ ዕለት 1 መስከረም ክሳዕ 4 ጥቅምቲ (በዓል ቅዱስ ፍራንቸኮ በዓል ኣሲዚ)፣ ካብ እተፈላለያ ጕጅለታት ንዝመጹ ክርስትያን ምእመናን ኣብ መደብ ጸሎትን ንምድሪ ንምክንኻን ኣብ ዝግበር ስጕምትን ተሳትፎ ከም ዝህልዎም ዝገብር ወቕቲ ፍጥረት ኣማእኪላ ኢያ እትወጽእ ዘላ" ይብል።

ቤተ-ክርስትያን መበል 800 ዓመት ናይቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝደረሶ "ዝማሬ ተፈጥሮን" ከምኡውን መበል 10 ዓመት ናይታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘዳለው ዓዋዲት መልእኽቲ ስቡህ ኣንተ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ከም ናይ ፍጥረት ወቕቲ ተወሲዱ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

"ዓመተ ኢዮቤል ተስፋን መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ናይታ ዓዋዲት መልእኽት ስቡህ ኣንተን ነዛ ሓባራዊት ቤትና ንምክንኻንን ቈራጽነትን ሓልዮትን ዝመልኦ ህሞት ክንነብር ይዕድሙና ኢዮም ዘለዉ"።

ንሓድሕዳ እተኣሳሰረት ዓለም

ኣህጉራዊ ዳይረክተር ናይዚ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዀኑ ክቡር ኣባ ክሪስቶባል ፎንስ ብዛዕባ ዕላማ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ሓሳብ ጸሎት እንክገልጹ፣ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ሓሳብ ጸሎት "ዓለምና ክሳዕ ክንደይ ኣብ ነንሕድሕድና ምትእስሳር ከም ዘለዋ የዘኻኽረና። ጥዕናና ኻብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኻልኦት ፍጡራት ወይ ካብ 'ጥዕና' ምድርና ኺፍለ ኣይክእልን እዩ።"

ኣቦ ፎንስ ኣስዕብ ኣቢሎም ኸምዚ በሉ - "ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተግባራትና ንተፈጥሮን ንዕዮ ኣምላኽን ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ከምኡውን ኣብ መንጎ ደቅሰብን ኣከባብን ዘሎ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስን፣ ተፈጥሮኣዊ ሚዛናውነትን ስኒትን ከም ዝህሉ ዝገብር ኣነባብራ ንኸነናዲ ውን ጻውዒት ኣቕረበልና። ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ብኣህላኽነት እትግዝአት ዓለምን፣ ህርፋንን ሃታሃታን ዝመልኣ ዓለምን መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ጽቡቕ ናብራ ኺነብሩ ንተፈጥሮ ድማ ብዝያዳ ኼኽብርዎ ሃረር እዮም ዝብሉ ዝለዉ። እዚ ኣነባብራ እዚ ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦትን ናብ ምርኻብ ንዚመርሕ ስቕታ ንኸነስተንትነሉ የኽእለና " በሉ።

03 Sep 2025, 16:24