MAP

ሃገረ ቫቲካን፡ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሃገረ ቫቲካን፡ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ እስራኤልን ፖላንድን ርእሳነ ብሔራት ክራኸቡ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግን ንርእሰ ብሔር ሃገረ ፖላንድ ካሮል ናውሮኪን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከዘራርቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 4 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣትው ካብ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዘሎ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ድሕሪ ምሕራዮም ዕለት 18 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ንኸበግሱ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንፈለማ ግዜ ዝተራኸብዎን ናይ ሃገረ እስራኤል ርእሰ ብሔር ኢሳቕ ሄርዞግ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐብሎም ከዘራርቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 5 መስከረም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣትው ዕለት 6 ነሓሰ ስልጣኑ ብወግዒ ዝጀመረ ናይ ፖላንድ ርእሰ ብሔር ካሮል ናውሮኪ ዕለት 5 መስከረም ተቐቢሎም ከዘራርቡ እዮም።

03 Sep 2025, 16:08