MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተ ክርስትያን ንዅሉ ተቐባሊት ብምዃን፣ ቤት ትምህርቲ ትሕትና ኽትከውን ትኽእል እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ናይ ዕለት ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምምርሖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብነት ጐይታና መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ወትሩ "ቤት ትምህርቲ ትሕትና" ኽትከውን ከምኡውን ውድድር ብምውጋድ "ንዅሉ እትቕበል ቤት" ክትከውን ኣስተንቲኖም።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ፔጥሮስ ንእተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገሱሎም ብዛዕባ ኣገዳስነት ትሕትናን ግሉጽነት ንኻልኦትን ከምኡ ውን ባህሊ ምርኻብን ዝገልጽ ናይ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምንባብ ኣስተምሃሩ ። ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተዘንትዩ እንረኽቦ፣ ሓደ ኻብቶም ምርኡያት ፈሪሳውያን ንኢየሱስ መኣዲ ኣሰናድዩ ምስ ዓደሞ፣ ኣብ ኵሉ ባህልታት ብሓባር ኮፍ ምባል ምልክት ሰላምን ሕብረትን ምክፋልን ምርኻብን ክኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ከም ምዃኑ ረገልጸልና።

ንሓቐይና ምርኻብ ምድላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም ሓቀይና ምርኻብ ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ከም ዘይኰነ ድሕሪ ገሊጾም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቶም ነቓጽ ትጉም ባህልታት ዝተለማመዱ ሰባት፣ናብ ቤት ሓደ መራሒ ሃይማኖት ክበጽሕ ምስ ከደ፣ ብኸመይ ብጥርጣሬ ከም ዝተዓዘብዎ ገለጹ፣ እንተዀነ ግን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብኣኽብሮትን ብቕንዕናን ከም ሰናይ ጋሻ ነቲ ኣጋጣሚ ውን ከም ሓደ ናይ ትምህርቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፣ ኣብቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ብትሕትና ተረኽበ ። ጐይታ ድማ ነቶም ክብሪ ገዛእ ርእሶም ብምርኣይ ተሃዊኾም ክብሪ ንምርካብ ዝጓየዩ ንዝደልዪ ሰባት ተመሳሳሊ ነገር ከም ዘጋጠሞም ዝገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ የካፍሎም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብትሕትና ኣብ ሕውነትን ብምርኻብ ኣብ ክንዲ ዝካፈሉ ናይ ውድድር ስምዒት ከም ዝፈጥር ገለጸሎም።

ንጐይታ ምስማዕ

ብተመሳሳሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ኣመንቲ ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ክንእከብ ከለና ጐይታ እንታይ ከም ዝምህረና ክሰምዑ ውን ኣተባብዕዎም። ብኻልእ ኣበሃህላ ጐይታ "ጋሻና ይኸውን፣ ብኸመይ ከም ዝርእየናውን ኪነግረና ይኽእል እዩ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንገዛእ ርእስና ብዓይኒ ጐይታ ኽንርእያ ኽንጽዕር ከም ዘሎናን ከምኡውን ክሳዕ ክንደይ ብተደጋጋሚ ኣብ ንሓድሕድና ኣብ እንገብሮ ውድድር ተፈላጥነት ኣብ ምርካብ ወይ ንገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ኣብ ምንጽጻር ጥራይ ከነተኵር ከም እንኽእል ውን ገለጹ።

"ነቲ ኣብ ልብና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት፣ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ቓል ምስ እነስተንትን፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጽውዓና ክንረኽቦ ዘለኦና ሓርነት ኢዩ።"

ሓቀይና ሓርነት እትህብ ትሕትና

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትሕትና ሓቀይና ሓርነት ብኸመይ ከም እተምጽእ ኪገልጽ ከሎ "መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እቲ ብሓቂ ዘተሓሳስበነ ነገር" ብምዃኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም “ትሕትና ካብ ገዛእ ርእስና ናጽነት እንረኽበሉ” ምዃኑ ገለጹ። ልዕል ምስ እንብል ወይ ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ምስ እነተኵር፣ ከም ደቁ መጠን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃንና ንርስዕ ኢና ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

“ነቲ ቐዳማይ ንምርካብ ኣብ ክንዲ እንጽዕር ነቲ ናይ መወዳእታ ቦታ ምሓዝ ምስ ተማሃርና፣ እቲ ኽብረት ካበይ ከም ዝመጽእ ንግንዘብ፣ ብሓጺሩ ድማ ጻዕሪ ኸይገበርና ክንረኽቦ ከም እንኽእል የገንዝበና።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምድጋሞም፣ ዅሎም ደቂ ሰባት "ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ቤት ትምህርቲ ትሕትናን፣ ንዅሎም ደቂ ሰባት እንቕበለሉ ቤት ኢያ፣ ኣባኡ ድማ ውድድር እነወገደሉን፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ዚዛረበሉ ከምኡውን ትሕትናኡን ናጽነቱን እንምሃረሉ ቤት ክትከውን ንጸሊ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።  ንማርያም "ኣደ ቤተክርስቲያን" ክብሉ ብምጽዋዕ ድማ ናብኣ ንጸሊ በሉ።

01 Sep 2025, 15:15