ር. ሊ. ጳ.፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ቕልውላው ምላሽ ኪህበሉ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምትን ምሕጽንታትን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽሙ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ቃል ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም - "ካብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ካብቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ጥሜትን ዓመጻን ዝዀኑሉ ኣብ ኤል ፋሸር ዝርከብ ዳርፉር ዘሕዝን ዜና ይመጽእ ኣሎ።”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስቓይ ዝወረዶም ሰባት ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕረቡ ።
እቲ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ነቶም ግዳያት ባህርያዊ ዕንወት ዝዀኑ ሰባት ምጽላይ ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ምህማም ምድሪ፣ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ኣኽራን ማራ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቋንቋ ኢጣልያ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሱዳን ናኣስታት 29 ወርሒ ዝወሰደ ንሞት ሰላማያን ሰባትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምምዝባላትን ምኽንያት ዝኾነ ውግእ ኣመልኪቶም ክዛረቡ ኸለዉ ከምዚ በሉ - "ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባትን ከምኡውን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ንሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኮሪደር ምህላዉ ከረጋግጹን፣ ነዚ ሰብኣዊ ዕንወት ደው ንምባል እተወሃሃደ ስጕምቲ ክገብሩን ልባዊ ምሕጽንታ አቕርበሎም ኣሎኹ።"በሉ።
ነቲ ግጭት ደው ንምባል ሥነ ሜላዊ ክልኤአዊ ጻዕርታት ክግበር ምሕጽንታ ብምቕራብ ከምዚ በሉ - "ኣብ መንጎ እቶም ጕጅለታት ነቲ ግጭት ደው ንምባል ከምኡውን ንህዝቢ ሱዳን ተስፋን ክብርን ሰላምን ንምምላስ፣ ረዚንን ልባውን ተቐባልን ምይይጥ እንጅምረሉ ግዜ ኢዩ" በሉ።
ነቶም ግዳያት ምህማም ምድሪ ዝኾኑ ክጽለየሎም ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ድማ ብእንግሊዝኛ ኸምዚ በሉ - "ኣብ ታራዚን ብሰንኪ እቲ ኣዕናዊ ምምህማም ምድሪ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም እዮም፣ ስቓይን ተስፋ ቝርጸትን ድማ ገዲፍሎም ኢዩ ዘሎ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ድማ ምስፍሕማሕ ሕማም ሸሮኽ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ድሮ ተዳኺሞም ኣብ ዘስግዕ ኩነታ ኢዮም ዘለዉ" በሉ ።
"ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ምስ ስድራ ቤታትን ቈልዑን ሕጻናትን ከምኡውን ምስቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ዘሎኒ ቅርበት ክገልጽ እፈቱ። ምእንቲ ዅሎም እቶም ግዳያት እጽሊ ውን ኢየ ዘሎኹ ። ንዅላትኩም ምሳይ ሓቢርኩም ምእንቲ እቶም በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣኽራን ማራ ሱዳን ዘጋጠመ ምህማም ምድሪ እተጐድኡ ሰባት ክትጽልዩ እልምነኩም ኣለኹ" ክብሉ ውን ምሕጽንታ ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ዝሞቱ ሰባት ዘለኣለማዊ ሰላም ጐይታ ክህቦም ኸምኡውን ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ምጽንናዕን ብርታዐን ክወሃቦም ብምጽላይ "ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ፍጻመታት ከጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ በቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ፈጺምና ተስፋ ኣይንቝረጽ" ብምባል ምሕጽንታኦም ደምደሙ።