MAP

2025.06.01 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ጥቅምቲ መደብ ፍጻሜታት ተዘርጊሑ 2025.06.01 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ጥቅምቲ መደብ ፍጻሜታት ተዘርጊሑ  (@Vatican Media)

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ጥቅምቲ መደብ ፍጻሜታት ተገሊጹ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ዝተወፈዩ መዓልቲ ኢዮቤል ንዝሳተፉ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ክልግሱን መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑን ቨነዝወላዊ ሊቅ ድኻታት ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ብጹዕ ኾሰ ግረጎሪዮኣ ሀርናንደዝ ሲስነሮን ካልኦት ሸውዓተን ብጹዓን ቅድስና ክእውጁን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ቅዱሰንቶም ንናይ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ከም ዝኾኑ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓተ ኣምልኾ ዕለት 1 መስከረም ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጥቅምቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጽዑቕ ወርሒ ክኸውን እዩ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንብርክት ዝበሉ ጉጅለታት ዝውፈይ መዓልቲ ኢዮቤል ጽምብላት ክመርሑ እዮም። ዕለት 5 ጥቅምቲ ንግሆ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት መዓልቲ ኢዮቤል ልኡካነ ወንጌልን መዓልቲ ኢዮቤል ስድተይናታትን መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑን፣ ሓሙስ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሰብ ውፍይ ሕይወት እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ሰንበት ዕለት 12 ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ንማርያማዊ መንፈሳውነት እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ቅዳሴ ከዕርጉን ዕለት 19 ጥቅምቲ ኣብ ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ንሸውዓተ ብጹኣን ቅድስና ክእውጁ ከም ዝኾኑ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓተ ኣምልኾ ዕለት 1 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

02 Sep 2025, 16:30