ር. ሊ. ጳ.፦ 'ድምጺ ኣጽዋር ስቕ ክብል፣ ድምጺ ሕውነትን ፍትሕን ክስዕር ኣለዎ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገረ ሩስያ ኣብተን ኣብ መላእ ዩክረይን ዚርከባ ኸተማታት መጥቃዕቲ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ውግእ ብህጹጽ ደው ኬብልዎን፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ዘተን ዝርርባትን ብርቱዕ ጻዕሪ ኺግበር ንዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ኣሐደስዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን "ድምጺ ኣጽዋር ስቕ ክብል ኣለዎ፣ ድምጺ ሕውነትን ፍትሕን ከኣ ክዕወት ኣለዎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ በቲ ውግእ ዘስዓቦ ቐጻሊ ዕንወትን ሞትን ብምጕሃይ ምስ ህዝቢ ዩክረይን ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ኣሐደስዎ።
ኵሉ ሰብ ኣብ ዘይምግዳስ ከይወድቕ የግዳስ ብጸሎትን ብጭቡጥ ተግባራት ሰብኣዉንት ክቐርብ እሞ ነቲ ውግእ ደው ኣብ ምባል ከም እተጸውዐ እንደገና ገሊጾም።
"እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ነቲ ቀመራዊ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር ሓዲጎም፣ ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናይ ዘተን ውላትን ከምኡ ውን ናይ ሰላም መገዲ ዝስዕቡሉ እዋን ኢዩ" በሉ።
ጸሎት ምእንቲ ግዳያት እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚናፖሊስ እተፈጸ ቅትለት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብቛንቋ እንግሊዝ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ድማ፣ ምእንቲ እቶም ግዳያት እቲ ኣብ ከተማ ሚናፖሊስ ሚኒሶታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ እተፈጸመ ቅትለት ጸልዮን ።
"ኣብ ጸሎትና ነቶም ኣብ መላእ ዓለም መዓልታዊ ዝቕተሉን ዝቘሰሉን ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም ቈልዑን ህጻናትን ንዝክሮም ኣሎና" ውን በሉ። "ነቲ ንዓለምና ዘዕንዋ ዘሎ ዓብይትን ንእሽቱን ለበዳ ኣጽዋር ደው ኬብሎ ንኣምላኽ ንለምኖ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ብምምላስ፣ ደቅሰብ ነቲ "ኣስያፎም ናብ ማሕረሻታት ኲናውቶም ከኣ ናብ ዓንቃሪቦ ክቕይርዎ እዮም" ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ ንኽትፍጽም ክተማልደሎም ጸልዮም።
ሞት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማውሪታንያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ወሲኾም ኣብ ገማግም ማውሪታንያ ሓንቲ መርከብ ስደተይናታት ዝሓዘት ድሕሪ ምጥሓላ እንተ ወሓደ 69 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣመልከቱ፣ ዳርጋ 100 ዚዀኑ ድማ ሃለዋቶም ኣይተረኽበን ዘሎ።
ክሳዕ ሕጂ ዓሰርተው ሸውዓተ ሰባት ድሒኖም ኣለዉ፣ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ከም ዝገለጽዎ ኸኣ እታ ጃልባ ዝሓለፈ ሰሉስ ቅድሚ ምጥሓላ ካብ ጋምብያ ተበጊሳ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ከም ዝገበረት ኣመልከቱ።
"እዚ ሓደገኛን ዘሕዝን ፍጻመ እዚ፣ ኣብ መላእ ዓለም መዓልታዊ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ" ውን በሉ ቅዱስ ኣቦና። "ጐይታ ነቲ 'ጋሻ ኮይነ ንስኻትኩም ውን ተቐቢልኩምኒ' ንዝበሎ ቃሉ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ምእንቲ ኺምህረና ንጸሊ።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ዅሎም እቶም ዝሞቱ ጸልዮም ። "ንዅሎም እቶም እተጐድኡን ዝጠፍኡን ሰባት ኣብ ኵሉ ቦታ ብፍቕሪ ተደሪኽና ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ነወፍዮም።"