MAP

ር. ሊ. ጳ. ንኣጐስጢኖሳውያን ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ሓድነት ኬስፍኑ ተማሕጸንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኦጐስጢኖስ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ንምኽፋት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቶም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ደቂ ማሕበሮም ንኺሰምዑን ትሑታት ንክኾኑን፣ ሓድነት ንኼስፋሕፍሑን ተማሕጸኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነቶም ተጋባእቲ ኣብ ዕዮኦም ምርሒት መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦም ክጽልዩ ብምዕዳም መሥዋዕ ቅዳሴ ኣዕረጉ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ እዚ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበሮም ንኣምላኽን ንኻልኦትን ናይ ምስማዕ ሃዋህው ክኸውን ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጕላሕ "መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ናይ ቀደም፣ ሕጂ ውን ይዛረበና ኢዩ ዘሎ" በሉ።

ነቶም ኣብቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ዝሳተፉ ተጋባእቲ ድማ "ስለዚ ንምርድዳእን ንምስምማዕን ልባዊ ጻዕሪ ብምግባር፣ ነዘን መዓልትታት እዚኣተን ክሙከርወን" ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ እዚ ድማ "ነቲ ሰማያዊ ኣቦ ብፍላይ ንጥቕሚ ብዙሓት ክብል ናብዚ ብምጽዋዕ ዝህበኩም ዓቢን ፍሉይን ውህበት ብርሃንን ጸጋን ልግሲ ዝመልኦ ምላሽ ኢዩ" ክብሉ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ነቲ ብብዙሕ መንገዲ እተገንዘበ ቅዱስ ኣጐስቲኖስ ብምጥቃስ ንኣገዳስነት ትሕትና ውን ኣጕልሑ ።

"ንኵሉ መልሲ" ከም ዘለዎም ገይሩ ኣብ ክንዲ ዝሓስቦም፣ ብመንፈስ ቃል ክርስቶስ ምእንቲ ኽመሃሩን ከስተንትኑን "ነቲ ጐይታ ዘቕርበሎም ሓሳባት ብእምነት ክቕበልዎን" ዓደምዎም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ንመኽፈቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን
መሥዋዕተ ቅዳሴ ንመኽፈቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን   (@Vatican Media)

ሓድነት ከም ዚሰፍን ምግባር

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ሓደ ሓሳብ ካብ መባዕታ ቅዳሴ ብምጥቃስ "ዋጋ ሓድነት" ዝብል፣ ናይ መወዳእታ "ሓሳባት ብምስትንታን" ሓሳባቶም ኣካፈልዎም። ኵሎም እቶም ተጋባእቲ ንጥቕሚ ብዙሓት ክብሉ "ብመንፈስ እተደረኹ" ውህበት ከም እተቐበሉ ብምዝኽኻር፣ ካብቲ ናይ መጀመርታ ንባብ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ወሲዶም ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ መዳይ እዚ መልእኽቶም ቕድሚ ምግላጽ፣ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ "ቋንቋ እንግሊዝ ዝሰምዑ ግን ከኣ ቋንቋ ጣልያን ዘይዛረቡ" ብእንግሊዘይና ክዛረብዎም መረጹ፣ ኵሉ ሰብ ድማ ምህበት መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦ ንኽጽልዩ ዓደምዎም።

"እዚ ብሓቂ ናይ ግድን ንዅሉ ቛንቋታት ናይ ምርዳእ ወይ ናይ ምዝራብ ውህበት ዘይኰነስ፣ ናይ ምስማዕ ውህበት፡ ትሑት ናይ ምዃን ውህበት፡ ከምኡውን ሓድነት ኣብ ውሽጢ ማሕበራትን ገዳማትን ኣብ መላእ ቤተ - ክርስትያንን ዓለምን ንምድንፋዕ እተዋህበ ውህበት ኢዩ" በሉ።

ብቋንቋ ጣልያን ቐጺሎም ድማ ከምዚ በሉ - "ሓድነት ናይ ጻዕርታትኩም ናይ ግድን ኣድላዪ ሸቶ ይኹን እዚ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ሓድነት ካብኡ ስለ ዝዀነ እቲ ምክፍፋል ግን ካብኡ ክኸውን ስለ ዘይክእል፣ ንተግባራትኩምን ነቲ ብሕብረት እትዓይዎ ዕዮኹምን ንምግምጋም መለክዒ ይኹንኩም" ክብሉ መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ስብከቶም ኣብ ምዝዛም፣ እዚ ጠቕላሊ ጉባኤኹም ንምኽፋት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ ኣብ መባእታ እዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረግናዮ ጸሎት - “እቲ ካባኻ ዝመጸ ጰራቅሊጦስ ነእምሮና የብርሆ፣ ከምቲ ቃል ተስፋ ወድኻ ኸኣ  ናብ ኵሉ ሓቂ ይመርሓና" ንዝብል ዳግም ብምሕዳስ፣ ጽን ኢሎም ንኽሰምዑን፣ ትሕትናን ሓድነትን ንኸዘውትሩ ዓደምዎም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ንመኽፈቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን
መሥዋዕተ ቅዳሴ ንመኽፈቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን   (@Vatican Media)
02 Sep 2025, 16:01