MAP

2025.07.09 Santa Messa per la Custodia della Creazione 2025.07.09 Santa Messa per la Custodia della Creazione  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ክርስትያን ምእመናን ኣብ 1 መስከረም መዓልቲ ፍጥረት ብሓድነት ከኽሩ ይዕድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ክርስትያን ምእመናን ብዕለት 1 መስከረም ሓቢሮም ነታ መዓልቲ ጸሎት ምክንኻንን ተፈጥሮ ዝኾነት ዕለት ከኽብሩ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐደስዎ፣ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ካብቲ ብምኽንያት መበል 1,700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ዝቐረበ ፍረ ነገር ናይዛ ዕለት "ዘርኢ ሰላምን ተስፋን" ንዝብል ቅዉም ሓሳብ ክስዕቡ የተባብዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 1 መስከረም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያን ምእመናን፣ ነታ ዓመታዊ በዓል ምስጢር ፍጥረት ዝዀነት መዓልቲ ፍጥረት ንምኽባር ይሓብሩ ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ 10 ዓመት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንምክንኻን ፍጥረት ዝኾነት ዓለምለኻዊት መዓልቲ ጸሎት ብምምስራት፣ ነዚ በዓል እዚ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያን ከም ዝስፍሕዎ፣ ምእንቲ ፍጥረት ዝግበር ጸሎት ድማ "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽን ኣገዳስን ኰይኑ ኣሎ" ብምባል ኣዘኻኸሩ።

"ምስ ኵሎም ክርስትያን ኴንና፣ ነዚ በዓል እዚ ነኽብሮን ክሳዕ 4 ጥቅምቲ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ነስፍሖን" በሉ። "ብመሰረት እቲ ቕድሚ 800 ዓመት እተደርሰ መዝሙር ሓውና ጸሓይ ንኣምላኽ ነመስግኖ፣ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ንኸነዕንዎ ዘይኰነስ ነታ ሓባራዊት ቤትና ንኽንከናኸን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ድማ ነሐድሶ።"

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ

እታ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ፍጥረት ተባሂላ እትፍለጥ ዕለት፣ ብ1989 ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጻውዒት ምስ ቀረበላ መብዛሕትአን ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያን የብዕላኣ እየን።

ኣብጥንታዊ ሥርዓተ ኣልኾ ኦርቶዶክስ እተመስረተት ኰይና፣ ንኣምላኽ ከም ፈጣሪ መጠን ዝውደስሉን፣ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ምስጢር ፍጥረት እትዝክረሉን ከምኡውን ንክርስትያን ምእመናን ንተፈጥሮ ኩሉ ዓለም ንኺከናኸኑ እተለዓዕል መዓልቲ እያ።

እቲ ናይ ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ኣብያተ-ክርስትያን ዘጣምር ዓለማዊ ዋዕላ ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ ታሪኽን ምሳልያዊ ኣዘራርባን እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓድሽ ቪድዮ ዘርጊሖም ኣለዉ።

ሓያሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርቲያን ጳጳሳት ካብ 1990ታት ኣትሒዞም መዓልቲ ፍጥረት ኬብዕሉ ኸለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ግን ብ2015 ነዛ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ፍጥረት፣ ንኣድማሳዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣወፈዩላ።

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዛ መዓልቲ ጸሎት ዝኸውን ወግዓዊ ዓመታዊ መልእኽትታት ብምሕታም ዓመታዊ መዓልቲ ፍጥረት ክበዓል ኣተባብዑ ።

'ዘርኢ ሰላምን ተስፋን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ልምዲ ብምቕጻል፣ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ውን ኣሕተሙ።

"ፍረ ነገር ናይዛ ብበዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተመርጸት መዓልቲ ጸሎት ዓለም 'ዘርኢ ሰላምን ተስፋን' ኢዩ" በሉ። "ኣብ ዓስረይ ዓመት ዝኽሪ እዛ መዓልቲ ጸሎት እተመስረተትላ ዕለት ምስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስቡህ ኣንተ ዘርእስታ እትመሳሰል ኰይና፣ ነዛ ናይ ሎም ዓመት መዓልቲ ጸልት ፍጥረት ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ እትዝከር ዘላ ከም ምዃና ነቲ  'ነጋድያን ተስፋ' ዝብል ጭርሖ ናይዛ ዓመት ብምዝካር ኢና እነኽብራ ዘለና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በመል 14 ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣድማስ ገጽ እቲ ንዅሉ ዝፈጠረን እተበጀወን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዜንጸባርቕ፣ ንኣመንቲ ፍትሒ ኣከባቢ ኻብ እምነት እተወልደ ግዴታ እዩ" በሉ።

01 Sep 2025, 15:20