MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ‘ጸማእኩ!’ ኢየሱስ ንፍቕርን ርክብን ዝምድናን ዘቕረቦ ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል እተዛረቦ ናይ መወዳእታ ቃላት ብምስትንታን፣ ወድሰብ ተነቃፊ ብምዃኑ "ናብ ሰማይ ዚመርሕ ድልድል" ኮኖም ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ብመሰረት ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ዮሓንስ፣ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ መስቀል እተዛረቦ፣ "ጸማእኩ!" ኸምኡውን "ተፈጸ" ዚብሉ ቃላት ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ልዕሊ መስቀል ምስ ተሰቕለ፣ ሰብኣውነትና ነቲ ብዝበለጸ ዘንጸባርቕ ግን ከአ ጸልማት ምስ ዝኾነ ኩነትና ተጋጠመ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ኢየሱስ ነተን ንምሉእ ህይወትና ዘመልክታ ኽልተ ቃላት ተዛረበ፣ እዚ ኸኣ ንብምሉኡ ህላወ ወዲ ኣምላኽ ዜርኢ ምልክት ኢዩ ዝነበረ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከም ሓደ ዕዉት ጅግና ዘይኰነስ ከም ሓደ "ንፍቕሪ ዝልምን" ኮይኑ ኸም እተራእየ ገለጹ። "ንሱ ነቲ እንኮ ነገር ንገዛእ ርእሱ ገለ እኳ ኺህቦ ዘይከአሎ ብትሕትና ይልምን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝነበሮ ጽምኢ ስቓይ ዝመልኦ ኣካል ዘድልዮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ድሌት ጥራይ ዘይኰነስ "መግለጺ ዓሚቝ ባህጊ ፍቕርን ርክብን ሕብረትን" ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንኵሉ ሰብኣዊ ኩነትና ክካፈሎ ስለ ዝደለየ፣ በዚ ጽምኢ እዚ ንገዛእ ርእሱ ክዋጽኣሉ ዝፈቅድ ኣምላኽ፣ ብድምጺ ዘቕረቦ ኣውያት እዩ" በሉ። "ኣምላኽና ኺልምን ኣይሐፍርን እዩ፣ ከመይሲ በዚ ተግባር እዚ ፍቕሪ ሓቂ ኽትከውን ኣብ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ምልማን እውን ክትመሃር ከም ዘለዋ ዘረድኣና እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ጽምኡ ኺገልጽ ከሎ እቲ ቐጺሉ እተዛረቦ "ተፈጸመ" ዝብል ቃል ብመሪር ሓሞት ዝጠለቐ ሰፍነግ ምስ ተቐበለ ስለ ዝመረሮ፣ ገዛር ርእስና ኽንኣሊ ወይ ከነድሕን ከም ዘይንኽእል ገለጸልና።

"ፍቕሪ ብገዛእ ርእሳ ደላይት ኮነት፣ ስለዚ ኸኣ እያ ዕዮኣ ዝዓመመት" በሉ።

እቲ ክርስትያናዊ ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር እንተኣልዩ ኣምላኽ ዘድሕን "ሓደ ነገር ብምግባር ኣይኮነን እኳ ደአ ብፍቓዱ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክፍጸም ብምድላዩ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንድኻም ፍቕሪ ኽሳዕ መወዳእታ ብምቕባል ደኣ እምበር ንእከይ ብሓይሊ ኣይሰዓሮን።"

"ድሕነት ብገዛእ ርእስኻ ኣይርከብን ኢዩ፣ የግዳስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሌት ብትሕትና ኣፍልጦ ብምሃብን ብናጻ ብምግላጽን ኢዩ ዝርከብ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ወዲ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ ኸምቲ ንፍቕርን ትርጕምን ፍትሕን ነበሮ ጽምኢ ኣብ ገዛእ ርእሱ ይኣኽለኒ ዝብል ኣይነበረን፣ ደቂ ሰብ እውን ብምትእምማን ከም ነዚ ከም ዝፍጽምዎ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ተስፋ ንኽንረክብ መገዲ ዝኸፍተልና ኢዩ።

"ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምልማን ሓርነት ደኣ እምበር ዘይበቅዕ ከም ዘይኰነ ብምርኣይ የድሕነና እዩ" በሉ። እዚ "ካብቲ ሕቡእ ሓጢኣት መውጽኢ እዩ ናብ ቦታ ሕብረት እውን ክትኣቱ ዝገብረካ ኢዩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ሓጢኣት መሕፈሪ እዩ። ይኹን እምበር ምሕረትን ናይ ሓቂ ይቕረ ምባልን ዜድልየና ነገራት ከነማልእ ኣብ እንኽእለሉን ካብ ምንጻግ ኣብ ዘይንፈርሃሉን እዋን እዩ ዚውለድ ። "

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ከምቲ ኣብ መስቀል ዝጸምአ ኢየሱስ ንዅሎም እቶም ዝቘሰሉ ደቂ ሰብ ናብ ኣምላኽ ብዚመርሓናን ምስኡ ሓድነት ከም ዚህልወናን ብዚገብርን መገዲ ህያው ማይ ንምርካብ ዚገብርዎ ኣውያት ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ሕውነት ኣብ ተራ ናብራ ብዘይ ሕፍረት ናይ ምሕታት ክእለት ከምኡውን ብዘይ ገለ ድራኸ ዝከኣለና ዘበለ ኣብ ምሃብ ሓጐስን ናይ ሓቂ ዕግበትን ክረኽቡ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ብፍላይ ዘይግብኣና ዀይኑ ኺመስለና ኸሎ ምሕታት ኣይንፍራህ" በለ። "ኢድና ንዘርግሕ እሞ ኣይንሕፈር። ድሕነት ኣብቲ ብትሕትና ዝቐርብ ተግባር እዩ ዝርከብ"።

03 Sep 2025, 16:28